Thursday, August 9, 2012

ሓደ ኤሌክትሪካዊ


ሓይሊ ኤሌክትሪክ (POWER)
      ንሓደ ኤሌክትሪካዊ ነገር ንክትሰርሕ ዝገብራ ሓይሊ ኤሌትሪክ እዮ።። እዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዚ 110ቮልት ዓቐን ክህልዎ ይኽእል ወይውን 220ቮልት (ቮልት ማለት ንዘሎ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ መሕበሪ ወይ መዐቀኒ እንጥቀመሉ እዮ)። 

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ ኤሌትሪካውያን መሳርሒታት ዝጥቀምሉ ሓይሊ 110ቮልት ተቐያያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (alternating electricity)   እዮ።። ሓደ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ብዘይ ፍሉጥ ዝኾነ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ክትሰርሕ ፈፂሙ ኣይካእልን።። ምኽንያቱ ተለዋዋጥን ዘይርጉኡን ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ንዝኾነ ይኹን ኤሌክትኒካዊ ኣቕሓ ወይ መሳርሒ ብቐሊሉ ንምብልሻው ዝላዓለ ዓቕሚ ኣለዎ።
ምርዳእ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፀዓትን (UNDER STANDING ELETRICITY AND ELETRICAL ENERGY)
          ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክባሃል ከሎ እንታይ ማለት እዮ? እዚ ክትርጎም ከሎ ካብ ሰብ ናብ ዝፋላለ እንተኾነ ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣብ ሓደ ሓሳብ ንርዕም። ንኣብነት ኣብ ፊዚክስ ትርጉም ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ቀዳማይ ምንጪ ተፈጥሮ እዮ ይብሉ። እቲ ቀንዲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ኣብ መንደቕና ተሃኒፁ ዝርከብ ሶኬት ትቐያያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዘመንጩ መስመር ዝርከብ ወይውን ካብ ኣብ ባትሪ ዝምላእ ኤሌትሪካዊ ፀዓት ዝምንጩን እዮ። መብዛሕትኡ ተጠቃሚ ወይ ክኢላ ሞተር ክፈልጦ ዘለዎ ነገር ኣብ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ኣሎ፦
           1/ምስራሕ ፀዓት ብምጉዓዝ ኤሌክትሮናትን ፕሮተናትን ካብን ናብን ዝምንጩ እዮ፣፣
            2/ምንጪ ፀዓት ዝርከብ ካብ ብመንገዲ ኣትሓላለፍቲ ኤሌክትሪካዊ ዋሕዚ ዝኾኑ ነገራት( )እዮ።
ገለ መግለፂታት(SOME DEFINTIONS)
         ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርዳእ ገለ ክንፈልጦ ዝግባኣና ነገራት ኣለው ንሳቶም ድማ፦
             1/ሓይሊ ኤሌክትሪክ (electricity)፦ምስራሕ ጸዓት ኤሌክትሪክ ብዝተመልኡ ባእታታት መብዛሕትኡ ግዜ ኤሌክትሮንስ ዝተባህሉ ባእታታት ዝፍጠር እዮ።
             2/መገዲ ዑደት ኤሌክትሪክ (electrical cericute)፦እዚ እቲ መንገዲ እቶም ዋሕዝታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝመላለስሉ እዮ።
             3/ምልኣት ኤሌክትሪክ (electric charge)፦ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝመልኡ ባእታታት ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ከለው ነቲ ጥርሑ ዝፀንሓ ቦታታት ክመልኡ ይጅምሩ ኣብዚ ግዜ እዚ እዮ ፀዓት ዝፍጠር።
             4/ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (electrical current) ፦ሓደ ኤለክትሪክ ዝመለእ ባእታ ጉዕዞ ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ ብመንግዲ እቶም ኣመሓላለፍቲ (condactors) ዝተባሃሉ ኤሌክትሮ ማግኔታውያን ስልክታት ዝካየድ ስራሕ እዮ እዚ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (electrical current)፦ ተባሂሉ ይፅዋዕ።
             5/ሓይሊ(power)፦እዚ እቲ ተሰሪሑ ኣብ ጉዕዞ ዝፀንሓ ፀዓት ኣብ ጥቕሚ(ስራሕ) ዝውዕለሉ እዮ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዋት(watt) ይዕቀን እዚ ዋት እዚ ንኽንረክብ ዓቐን(voltage) ምስ ዋሕዚ(current)ብምርባሕ ይኽውን።(voltage * current) (v*c)።
             6/ኣመሓላለፍቲ ኤሌክትሪክ (condactors)፦እዚኦም መሳሪሒታት ልዑል ተኽእሎ ምትሕልላፍ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዘለዎም እዮም። መብዛሕትኦም ኣመሓላለፍቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስልክታት ወይ ነሃሳውያን ካረንትታት ኮይኖም ዓሌት ሓፂን ዘለዎም እዮም።።
             7/ረዚስተርስ(resistores)፦እዚኦም ገለ ኣመሓላለፍቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾኑ ነገራት ነቲ ልዑል ዓቐን ዘለዎ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ስቕ ኢሎም ኣብ ዘሕልፍዎ ግዜ ነቲ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ብምፅዋር ቁሩብ ካብ ናህሩ ኣረጋግእ ኣቢሎም ጉዕዝኡ ከም ዝቕፅል ዝገብሩ እዮም።
             8/ጉልበት(amper)፦እዚ መምዘኒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዮ ሓደ ጉልበት ፈረስ(amper) ማዕረ ሓደ ኮሎምብ ኣብ ሓደ ሰከንድ ይዕቀን። ሕጊ ኮሎምበስ (columbus law) ከም ዘረዳኣና ሓደ ዓይነት ባእታታት ምልኣት
ኤሌክትሪክ ስዘለዎም ነገራት ክነፃፀጉ ከለው ዝተፈላለየ ባእታታት ኤሌክትሪክ ዘለዎም ይሰሓሓቡ።
             9/ኦሆም (ohm)፦እዚ ድምር መዐቀኒ ረዚስታንስ ኤሌክትሪክ ሓደ ፀዓት እዮ። ሕጊ ኦሆም ከም ዘረድኦ ንኽፍለጥ እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (electrical current) ዝረበሖ ምስ ረዚስታንስ(resistance)ይኽውን።
   
           10/ዓቐን ኤሌክትሪክ (volt)፦ እዚ ድምር ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዘመንጭዎ ብርተዐ ፀዓት እዮ። እዚ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተረጋግእሉ ግዜ ብሓደ ኦሆም ብምምዛን ክፍለጥ ይካኣል። ኣብዚ ግዜ እዚ እዮ ጉልበት ናይቲ ዘሎ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ክፍለጥ ዝካኣል።
             11/ብርተዐ (voltage)፦እዚ ዓቐን ፀዓት ኣብ ሓደ ዙረት ይኽውን።
ሕጊ ኦሆም(OHOMS LAW)
        ሓደ ክኢላ ክፈልጦ ዝግብኦ ነገር እንተሎ ሕጊ ኦሆም እዮ። ሕጊ ኦሆም ከም ዝብሎ እንተኾይኑ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ኣመሓላለፍቲ (condactors) ወይ ረዚስታንስ (resistance) ዘለዎም ብርተዐ ምስቲ ዝዋሃብ ፍልልይ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ (voltage)ተመሳሳሊ እዮ።




ኣመሓላለፍቲ ዝባሃሉ ካብ ሓደ ጫፍ ሓደ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ናብቲ ካልእ ጫፍ ናይቲ ካልእ ዘመላልሱ ማእከላት ኣሰጋገርቲ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እዮም። ረዚስታንስ(resistanse) ዝኾነ ኣካል ንዋሕዚ ኤሌክትሪክ ክዕቅብ ዝኽእልን ነቲ ዘሎ ብርተዐ ኣብ ነብሱ ኣትሪፉ ክሕዝ ዝኽእል ብቕዓት ዘለዎ እዮ። እቲ መምርሒ እንርኢ፦
  */ረዚስታንስ (ኣር) = ቮ/ኣይ  (RESISTANCE) (r) =v*i
     ዋሕዚ (ኣይ) = ቮ *ኣር   (CURRENT)  (I)  = V/R        
     */ዓቐን   (ቮ )  =ኣይ*ኣር ((v) = i*r
   
                      
 ሙዚቃን ሓይሊ ኤሌክትሪክን (MUSICS AND ELECTRICAL POWER)     
     2ተ ዓይነት ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ከም ዘለውን ብኽመይ ኣገባብ ይሰርሑ ምፍላጥን ኣቶኪርካ ምርኣይን ኣገዳሲ እዮ። ሓንቲ ናይ ሙዚቃ መሳርሒት ብቐጥታ ካብ ስዊች ኣብ መንደቕ ዝርከብ መውፅኢ ፀዓት ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (alternating current) (ac) ብምውሳድን ናብ ቀጥታዊ ዋሕዚ ብምቕያርን ወይውን ካብ ኣብ ባትሪ ተዓቂቡ ዝፀንሓ ቀጥታዊ ዋሕዚ (direct current) (dc)  ክትጥቀም ትኽእል።
                ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (ኣይሲ) (ALTERNATING CURRENTcurrent (AC)
        ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እቲ ዝበዝሕ ሰብ ሓይሊ መብራህቲ ኢሉ ዝፅውዖ ዋሕዚ ምልኣት ኤሌክትሪክ እዮ። እዚ ዋሕዚ እዚ ሰብ ሰርሖ ሓይሊ እዮ። እዚ ብሓገዝ ጅነሬተር (genarator) ዝተባሃለት መሳርሒት ዝምንጩ እዮ። ኣሰራርሕኡ ብዝምልከት ኣብ ውሽጢ እታ ጀነሬተር ዝርከብ እኩብ ጥምጣማት ስልክታት ክዘውር ይጅምር እሞ ብነፍሰ ወከፍ ጫፍ ናይቲ ኣብታ ጀነሬተር ዝርከብ ማግኔታዊ ጠባይ ዘለዎም ሓፂናት እንዳተንከፈ ዙረት ይቕፅል ኣብዚ ግዜ እዚ እዮ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ክፈጥር ዝጅምር። ኣብ ግዜ ምብፃሕ እቲ ካልእ ጫፍ ኣንፃር ናይቲ ዝተበገሰሉ ጫፍ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ይተሓዋወስ (መኣዝኑ ይቕይር) (alternate)። ቁፅሪ ዑደት ናይዚ ዙረት እዚ ኣብ ሓደ ደቒቕ ቅልጣፈ (ድግምጋም) (freqency) ተባሂሉ ይፅዋዕ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጭዋ ትካላት ነተን ዘለውእን ኣመንጨውቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወይ ጀነሬተር 60 ግዜ ኣብ ሓንቲ ሰከንድ ዑደት ከም ዝመላለሳ ብምግባር ዝላዓለ ዓቐን ዋሕዚ ዘለዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይፈጥራ። ኣብዚ ግዜ  እዚ  እየን ዑደት ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (alternating current) ዝሰርሓ። እዚ ኣብ ግዜ ምትሕልላፍ ብመንገዲ እቶም ኣተሓላለፍቲ መስመራት ፍጥነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ሓደ መጎዓዓዚ መሰመር ናብቲ ካልእ ክሰጋገር ከሎ ዝነበሮ ፍጥነት ሓይሉ እንዳነከየ ናብ ተጠቃሚ ክበፅሕ ከሎ እቲ ዘድሊ ወይ እንጥቀመሉ ዓቕሚ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ይበፅሕ።
                  ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (DIRECT CURRENT)
      ፓወር ሳፕላይ(ወሃቢ ፀዓት) ዝተፈላለየ ስርሓታት ኣብ ሙዚቃ ይኹን ኣብ ካልእ ዝሰርሕ እንተኾነ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ስርሑ ግና ነቲ ዝመፅእ ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (alternating current) (ac) ናብ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (direct current) (dc)ምልዋጥ ይኸውን። እዚ መሳርሒ እዚ ክልተ ነገራት ብምትሕውዋስ ስርሑ የካይድ ሓደ ነቲ ዝነብረ ናህሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ከጉድል ዝኽእል መሳርሒ ትራንስፎርመር (step down transformer) ከምኡ ውን ንተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ናብ ቀጥታዊ ኤሌክትሪክ ክቕይር ዝኽእል መሳርሒ ቀያሪ (ac to dc converted) ብምውህሃድ ስርሑ የካይድ።ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ናብ ዝደለዮ ኣንፈት ክጎዓዝ ይኽእል እዚ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ግና ናብ ሓደ ማኣዝን ጥራሕ ክጎዓዝ ይግደድ። እዚ ካብቲ መበገሲኡ ክሳዕ እቲ መወዳእትኡ ብምልክት ምድማርን ምጉዳልን ክፍለጥ ይካኣል (- ወይ +)።
ምዕቃን ሓይሊ ኤሌክትሪክ (measuring elctricity)
    ሓደ ክኢላ ከመይ ጌርካ ንናይ መዐቀኒ መሳርሒትካ ከም ትጥቀመላ ክፈልጥ ይግብኦ። እዚ መሳርሒ እዚ ማልቲ ሜትር (muli tmeter) ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ እቲ ዝበለፀ መሳርሒ ኣብ ምፍታሽ ብልሽታት ኤሌክትሪካዊ ኣቕሓ ይኽውን።
መዐቀኒት ሓይሊ ኤሌክትሪክ (ማልቲ ሜትር) (mulit meter)
                                                            
       እዛ መሳርሒት እዚኣ ማልቲ ሜትር ተባሂላ እትፍለጥ ኮይና ንዝተፈላለዮ ዓይነታት ንሓይሊ ኤሌክትሪክን ኤሌክትሪካውያን መሳርሒታትን መፈተሺ እተገልግል መሳርሒት እያ እዚኦም መሳርሒታት ኣብ ኣርባዕተ መዐቀኒ ባይታታት ብምምርኮስ ስርሖም የካይዱ።
          1/ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (ALTERNATING CURRENT) (AC)
           2/ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (DIRECT CURRENT)                    
          (DC)
3/ምፍላጥ ትሕዝቶ ኣተሓላላፊ (contuinty)
           4/ረዚስታንስ (RESISTANCE) ይኾኑ።
ማልቲ ሜትር ክልተ ክፋለት ዘለዎ ኮይኑ ዲጅታልን (digital) ኣናሎግን (analog)ማልቲ ሜትርን ተባሂሎም ይፈላለዮ።
     

 ምፍታን ተቐያሪ ኤሌክትሪክ (TESTING AC POWER)
  ኣብ ግዜ ስራሕ ምብልሻው ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ሰራሕኻ ዝፈጥሮ ዕንቅፋት ፍሉጥ እዮ። እቲ መበገሲኡ ግን እንታይ ይኽውን ነዚ ንምፍላጥ እቲ ተዘርጊሑ ናብ ገዛኻ ዝመፅእ ዝሎ ገመድ ፀገም ፈጢሩ ከይህሉ ክትፍትሾ ኣለካ እዚ ኣዝዮ ልዑል ዓቐን ዘለዎ ወይ ኣዝዮ ትሑት ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ይሰድድ ከይህሉ ምርኣይ የድልየካ። ኣብ ግዜ ምፍታን ብልሽት ወይ ዘጋጥመ ፀገም ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እዞም ዝስዕቡ 3ተኣገባባት ተጠቕም፦
       1/ እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተፃዒኑ ዘሎ ካረንቲ ብግቡእ ወይ እቲ ልክዕ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድዮ ዝሰድድ ዘሎ
       2/እቲ ካልኣይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተፃዒኑ ዘሎ ካረንቲ ካኣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ተፃዒንዎ ዘሎ ዋሕዚ ኤሊርክትሪክ ልክዕ ምህላው ምፍላጥ የድሊ።
       3/እቲ ግራውንድ ገመድ ብግቡእ ቦትኡ ተኣሲሩን ኣብ ቦትኡ ተሰኺዑን ምህላው ፍለጥ።
          ምፍታን ተቐያሪ ዋሕዚ ብማልቲ ሜትር (TESTING AC OUT LET WITH A MULTI METER)
እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ኣብ ምፍታን ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ብማልቲ ሜትር ነታ መሳርሒት ብግቡእ ምቅርራብን ምውህሃድን የድልየካ።። ቀፂልካ ብኽመይ ኣገባብ ትነብብ ክትፈልጦ ኣለካ።
         ምትዕርራይ (ምድላው) መዐቀኒ      (SETTING UP THE METER)
 
 መሰረታዊ ምጥቃም መዐቀኒት መሳርሒት ብዙሕ ፀገም ዘይብሉ ብቐጥታ ገመዳት ብምስኳዕ ክትግበር ዝካኣል ስራሕ እዮ። ንዝያዳ ሓበሬታ፦
         ነታ ፀላም ገመድ ናይታ መዐቀኒትካ ኣብታ ኣሉታዊ ምልክት(-)ዘለዋ ነኻል የእትዋ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ እዚ መዐቀኒ ገመድ እዚ ምስታ መሳርሒት ተሃኒፁ ክመፅእ ይኽእል።
     2/ነታ ቀያሕ ገመድ መዐቀኒትካ ኣብታ ኣወንታዊ ምልክት ዘልዋ (+) ነኻል የእትዋ።።ተጠንቀቕ ጌጋ ምእታው ገመዳት ኣብ ዘይሰፈሮም ነታ መሳርሒት ፈፂሙ ከዕንዋ ይኽእል።
     3/ነታ መምረፂት ስዊች ናብ ምዕቃን ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ከም ትጥምት ጌርካ ኣዝራ(እዚ ምርጫ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐይሕ ሕብሪ ዝተፃሓፈ ኮይኑ ንረኽቦ)ኣብዚ ግዜ እዚ ክንፈልጦ ዝግባኣና እቲ ንዕቅኖ ዘለና ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ካብቲ እታ ማልቲ ሜትር ክትዕቅኖ እትኽእል ዓቕሚ ክውሕድ ክኽእል ኣለዎ እቲ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዓብይ እታ ስውች ናይታ መዐቀኒት ግና ናብ ትሕት ዝበለ ዓቐን ወይ ቁፅሪ ዓቐን ዘለዎ ተጠውያ ምስ እትፀንሕ ዕጫኣ ምቕፃል ጥራሕ እዮ ክኸውን ዝኽእል።
        ምንባብ ንመዐቀኒት መሳርሒት (REDING THE METER)
     ድሕሪ ምስትኽኻል መዐቀኒትና ነቲ ዘለካ መደብ ምዕቃን ክትጅምር ኣለካ።።ኣብዚ ሰለስተ ፈተነታት ክትገብር ኣለካ።
       ቀዳመይቲ ውዕይቲ ምስ ካልኣይቲ  ውዕይቲ ፦ንሓንቲ ገመድ መዐቀኒትካ ኣብታ ውዕይቲ መስመር መተሓላለፊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ የእትዋ እታ ካልእይቲ ገመድ ውን ብተመሳሰሊ ኣብታ ካልእይቲ ውዕይቲ መስመር ሰኩዒኻ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ንባብ ካብ 220-240 ቮልት ዓቐን ትሕዝቶ ዘለዎ ክኽውን ይግባእ።
       ቀዳመይቲ ውዕይቲ ምስ ግራውንድ፦ ኣብዚ ሓንቲ ካብተን ክልተ ውዕያት ብምምራፅ መዐቀኒ ገመድካ ስኹዓላ ብምቕፃል እታ ካልእይቲ ገመድ ኣብቲ ግራውንድ ዝተባሃለ ሳልሳይ ነኻል የእትዎ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ንባብ ካብ 110ቮልት ክሳዕ 120ቮልት ክበፅሕ ኣለዎ።
       ካለእይቲ ውዕይቲ ምስ ግራውንድ፦ እዚ እቲ መወዳእታ ፈተነ ኾይኑ ሓንቲ ገመድ ካብ መዐቀኒት ኣብታ ካልእይቲ ውዕይቲ ነኾል ብምእታው እታ ሓንቲ ውን ብተመሳሳሊ ኣብታ ግራውንድ ክትሰኹዓ ይግባኣካ እቲ ውፅኢት ካብ 110ቮልት ክሳብ 120ቮልት ዓቐን ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ኣሎ ዝብል ክኽውን ይግባእ።
         ምጥቃም ካልኦት ኣቑሑት ፈተሽቲ ተቐያሪ ዋሕዚ (USING AC TESTERS) 
ካልእ ኣማራፂ መንገዲ ንምዕቃን ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ምግዛእ ፈተሽቲ ተቐያያሪ ዋሕዚ (AC TESTERS) እዮ። መብዛሕትኦም ፈተሽቲ መሳርሒታት ተቐያሪ ዋሕዚ ንሓበሬታ ዝጠቅም ዝተፈላለየ ብርሃናት ኣብ ዝባኖም ስለ ዝርከብ ነቲ ብርሃን እንታይ ትርጉም ከም እትህቦ ካብቲ ምስኦም ዝሽየጥ መወከሲ ወረቐት ኣንቢብካ ተረዳእ።
          ምፍታሽ ዘይተፃረየ ዋሕዚ (TESTING AC RIPPLE)
 ስራሕ ፓወር ሳፕላይ ኣብ ሙዚቃ ምቕያር ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ናብ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (ac to dc)
ምኻኑ ክፍለጥ የድሊ። ብግቡእ ኣብ ትሰርሓሉ ግዜ ፅሩይ ዝኾነ ዝተፃረየ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ካብ ምስራሕ ኣይተዕርፍን እንተኾነ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ምእራግ ናይታ ፓወር ሳፕላይ ምስራሕ
ፅሩይ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ይውሕድ ክትቆፃፀሮ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ውን ይበፅሕ።
  ፓወር ሳፕላይ ነዚ ምፅራይ እዚ ዘተግብሩ ኤሌክትሮካውያን መሳርሒታት ኣለዋ ናይዚ ኤክትሮኒክስ እርጋን እዮ ነቲ ዘይግቡእ ምፅራይ ከተግብር ዝጅምር። ኣከብቲ ዋሕዚ(CAPACITORES ) እቶም ቀንዲ ነዚ ስራሕ እዚ ዘዋሃህድ ክፍሊ ኤሌክትሮኒክስ እዮም። ምብልሻው እርጋን ናይዞም መሳርሒታት እዚኦም እዮ ነቲ ዝመፅእ ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዝኾነ ፀገም ንኽሓልፍ ዝገብር። እዚ ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እዚ ነዚ መሳርሒ ምስ ሓለፈ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተፃረየ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ይተሓዋወስ እሞ ዕብላልኡ የርኢ ኣብዚ ግዜ እዚ እዮ ካዓ ዘይግቡእ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ናብ መሳርሒትካ ክሓልፍ ዝጅምር እዚ እቲ ዘይተፃረየ ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ(NOISE OR RIPPLE) ኢልና ንፅውዖ። ነዚ ንምዕቃን ነታ መሳርሒትካ ወይ ማልቲ ሜትር ናብ ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዘሎ ሽነኽ ኣጠምታ ቀፂልካ 1ማይክሮፋይድ(mfd ) ዝዓቐኑ ካፓሲቶር ናብታ ቀያሕ ገመድ ኣተሓሕዞ ድሕሪኡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወልዓዮ  ቀፂልካ ነቲ ቀጥታዊ ዋሕዚ ክንደይ ከም ዘሎ ዓቅኖ ዝኾነ ዘይተፃረየ ዋሕዚ(RIPPLE )ምስ ዝህሉ ብመልክዕ ተቐያሪ ዋሕዚ(AC )ክረኣየካ እዮ።
               ምዕቃን ረዚስታንስ (TESTING RESISTANCE)
    ተፀዋርነት ማለት ምቅዋም ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ብመንገዲ ኣመሓላለፍቲ ኤሌክትሪክ(CONDACTORES) ማለት እዮ።
      ረዚስታንስ ብኦሆም (OHOMS) ይዕቀን። ረዚስታንስ ክዕቀን ከሎ ጫፍ ናይቲ መዐቀኒ ገመድ ኣብ ክልተ ጫፋት ናይቲ ተፃዋሪ ብምቕማጥ ይኽውን ንሓደ ተፃዋሪ ክትዕቅን ከለኻ ብግቡእ ኣየናይ እዮ እቲ ክልተ ጭፋት ክትፈልጥ ኣለካ ሓደ ተፃዋሪ ኣብ ውሽጢ ተሰሪቱ ከሎ ጫፋቱ ክትዕቅን ምፍታን ምስቶም ካልኦት ተሰሪቶም ዘለው ጫፋት ክገራጨወካ ስለ ዝኽእል ብግቡእ ዓቂንካ ክትፈልጦም ኣይካኣልን ሓንቲ ቅድሚ ምዕቃን ምጅማርካ ነቲ ተፃዋሪ (RESISTOER) ክልተ ጫፍ ብግቡእ ክትረኽቦም ክትክእል ኣለካ።
         ምዕቃን ቀፃልነት ዋሕዚ (ኮንትዮንቲ) (TESTING -CONTIUNITY)
 ቀፃልነት ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ኣካል ኤሌክትሪካዊ ኣቕሑት ኮይኑ ካብ ሓደ መሳርሒ ኤሌክትሪክ ናብቲ ካልእ ክፍሊ ዋሕዚ ብግቡእ ንክተሓላለፍን ቀፃልነት ዋሕዚ ንምቁፅፃርን ይጠቅም። እዚ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ምቁራፅ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ወይ ምስባር መስመራት ከመይን ኣበይን ምኻኑ ዘሕብር ክፍሊ እዮ። ዝኾነ ይኹን ስልክታት ወይ ዋየራት ኤሌክትሪክ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ንምቕፃልን ብግቡእ ንምትሕልላፍን ከም ዝጠቕሙና ርኢና እንተኾነ ነዞም መስመራት እዚኦም ውን ብልሽት ከጋጥም ከም ዝኽእል ርኢና ኣለና ኣብ ግዜ ብልሽት ኣብ መዕቀኒትካ ልክዕ ከምቲ ንረዚስታንስ ክትዕቅን ኢልካ ዘስተኻኽልካዮ መንገዲ ተጠቐም ብዚ መሰመር እዚ ክንደይ ዓቐን ዘለዎ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ተፃሒፉ ከም ዝፀንሓካ ኣስተውዕል። ኣብዚ ግዜ እዚ እዛ መሳርሒት እዚኣ ዘይፍሉጥ ቁፅሪ (INFINITE) እንተ ኣንቢባ ቀፃልነት ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (CONTIUNITY) የለን ማለት ይኽውን። እዚ ምቁራፅ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እዚ ኣብ ማእኽል ኣሎ ማለት እዮ።
        ምዕቃን ቀጥታዊ ዓቐን ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (TESTING DC VOLTAGE) 
 ምዕቃን ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ልክዕ ከምቲ ንተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እንዕቅነሉ ኣገባብ ዝጥቀም ኮይኑ ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ግን እቲ ኣብ መንግኦም ዘሎ ፍልልይ ይኸውን። ተቐያሪ ዋሕዚ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ክጎዓዝ ይኽእል እዚ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ግን ናብ ሓደ ወገን ወይ ኣንፈት ጥራሕ ይጎዓዝ ስለዚ መበገሲ ጫፋትን መወድኢ ጫፋትን ክህልዎ ግድን ይኽውን። ስለዚ ኣብ ግዜ ምዕቃን ንጫፋት (POLARITY) ተጠንቂቕና ክንፈልጦም ይግባኣና። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለፀ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ክልተ ጫፋት ኣለዎ እቲ ሓደ ብአሉታዊ(-) ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ እቲ ካልአይ ኣወንታዊ(+) ኮይኑ ንረኽቦ።። ኣብ ግዜ ምዕቃን ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ዘሎ እቲ ኣወንታዊ ገመድ ናይታ መዐቀኒትካ ምስቲ ኣወንታዊ ጫፍ ናይቲ ዋሕዚ እታ ኣሉታዊት ገመድ መዐቀኒትካ ምስቲ ኣሉታዊ ጫፍ ናይቲ ዋሕዚ ክገጣጠማ ኣለወን ምስ ዝገማጠል እቲ ዝህበካ ንባብ ናይ ዕዳ(ትእወድ) (-) (NEGATIVE)ይኸውን።
     ምዕቃን ፓወር ሳፕላይ ኤሌክትሪክ ሙዚቃ (TESTING A POWER SUPPLY)
መብዛሕትኡ ኣብ ሙዚቃን ካልእ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቕሑትን ዘጋጥም ብልሽት ብሰንኪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝኽውን ዝከሓድ ኣይኮነን ሓደ ሐደ ግዜ እቲ መተሓላለፊ ገመድ ኤሌክትሪክ ከም ቀንዲ ምንጪ ብልሽት ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጠር ፀቕጥን ዘምፅኦ ሳዕቤን ኮይኑ ንረኽቦ። ዝቐልጠፈ መንገዲ ነዚ ብልሽት ንኸይመፅእ ዝከላኽለልና መሳርሒ እቲ ዮፒኤስ (UPS) ዝተባሃለ መሳርሒ እዮ ቅድሚ ነዚ መሳርሒ እዚ ምትካልካ ግና ጥዕና ናይቲ ዘለካ ፓወር ሳፕላይ ክትፈልጦ ኣለካ።። ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ምጅማርካ ኣቕሑትካ ፈትሽ ተለዋዋጢ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ከይህልወካ ርእ ዝኾነ ኤሌክትሪካዊ መሳርሒ ምስቲ ካልእ ኤሌክትሪካዊ ሓይሊ ይጫረት ከይህሉ ፍለጥ ወይ ብዙሓት ኤሌክትሮኒካዊያን መሳርሒታት ካብ ሓንቲ ምንጪ ኤሌክትሪክ ዝኾነት መራብሒት ይወስዳ ከይህልዋ እትጥቀመሎም መስመራት ዝተፈላለዮ ክኾኑ ይግባእ ወይ ፅዕነት ብምፍዅስ ከተጕድሎ ክትፍትን ኣለካ።                       
    መሰረታዊ ፈተነ ዓቐን ዋሕዚ (BASIC VOLTAGE TEST)
እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ፈተነ እዚ ክንደይን ዓቕሚ ሐደ ዘሎ ዓቐን ዋሕዚ ኤሌክትሪክን ንምፍላጥ ዘኽእለና ይኸውን። ምስ ግዜ ምንውዋሕ መብዛሕትእን ፓወር ሳፕላይ ዕድመ እርጋነን ንምርኣይ ምጉዳል ኣብቲ ዝሰድኦ ዓቐን ኤሌክትሪክ ብምግባር ይሰርሓ እዚ ምጉዳል ዓቐን ብግሁድ ዝረኣየሉ ኣብቲ 5ን 12ቮልት ዓቐን ካረንትታት ፓወር ሳፕላይ እዮ ብዝያዳ ግና ኣብቲ 12ቮልት ዓቐን ዝሕዝ ኳረንቲ ይዛዙ።   
መዐቀኒትካ ንፈተነ ኣዳልው (PREPARE THE METER FOR TEST) 
ከም እንደገና ምድላው መስርሒትካ ንምፍታሽ ሕማማት ከድልየካ እዮ።
   1,ነቲ ፀሊም ገመድ መዐቀኒ ኣብቲ ፍሉጥ ሰፈሩ ኣሉታዊ (_) ዘለዎ መራኸቢ የእትዎ ከምኡ ውን ነቲ ቀይሕ ገመድ ኣብቲ ኣወንታዊ (+) ምልክት ዘለዎ የእትዎ።
    2, ነታ መምረፂት ስዊች ፈቲንካ(ፍተሻ) ኣብ ቀጥታዊ ዋሕዚ(DC) ዝብል ሰፈር ኣጠምታ እንተድኣ መሳርሒት መዐቀኒትካ ክልቲኡ ዋሕዝታት መቀያየሪ ሃልይዋ ኣብቲ ቀጥታዊ ዋሕዚ ገፃ ጌራ ከም ዘላ ፍለጥ ኣረጋግፅ ።። እንተድኣ መዐቀኒትካ ክስዕ ኩሉ ዝኸይድ ዓቐን ገደብ ዘለዋ ኮይኑ (AUTO RANGE) እቲ ዓቐን ካብ 15-20 ቮልት ዝመዝን ክትገብሮ ኣለካ።
    ፈተነ ዘሎ ዓቐን ሓይሊ(TESTING THE VOLTAGE)
  እቲ ዝበለፀ ቦታ ምፍታሽ ንዘሎ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ፓወር ሳፕላይ ሙዚቃ ይኹን ካልእ ኣብቲ ካብዛ መሳርሒት እዚኣ ናብቲ ሙዚቃ ዝለግብ መስመራት ወይ ኳረንትታት ምፍታሽ እዮ። ኣብዚ ክስራዕ ዘይብሉ እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተወሊዑ ምህላው ምርግጋፅ እዮ። ንምፍታሽ ዝጠቕሙ ኣገባባት ምስ እንርኢ ፦
    1,ናይታ መዐቀኒትካ ፀሊም ገመድ ኣብቲ ፀሊም መስመር ወይ ኳረንቲ ናይቲ ፓወር ሳፕላይ ኣላግባ እቲ ቀይሕ ገመድ መዐቀኒ ምስቲ ብጫ ዝሕብሩ ኳረንቲ ፓወር ሳፕላይ ክላገብ ይግባእ።
    2, ነቲ ዝዋሃበካ ውፅኢት ዓቐን መዝግቦ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እትርከብ ፓወር ሳፕላይ ካብ 11-13 ቮልት ዝበፅሕ ዓቐን ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ይህልው።
   3,እቲ ንባብ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ 10ቮልት ንታሕቲ እንተኾይኑ እታ መሳርሒት ተባላሽያ ወይ ኣሪጋ ስለ ዘላ ክትቅይራ ጥራሕ እዮ ዘለካ።
     ኣብ ምፍታሽን ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ነቲ ገመድ እንዳገላበጥካን እንዳቐያየርካን ክትዕቅን ፈትን እዚ ኣብ ድጅታል ዝኾነት ናይ መዐቀኒት መሳርሒትካ ለውጢ ኣየምፅእን ብዘይካ ነቲ እትህቦ ቁፅሪ ውፅኢት ብናይ ዕዳ (NEGATIVE) (_) ኣሰንያ ትፅሕፈልካ።
    ዝኾነ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስ ዘይህሉ (WHEN NO VOLTAGE IS PRESENT)              
እንተድኣ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ዓቕን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፈቲሽካ ውዲእካ እሞ ኻኣ ዝኾነ ይኹን ውፅኢት ምስ ዘይረኣየካ እቲ ፀገም ካብታ ፓወር ሳፕላይ ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድልየካ እንታይ ድኣ ካብ ካልኦት ኣቕሑት ናይቲ ሙዚቃ ብምኽንያት ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ፅዕነት ኤሌክትሪክ ዘጋጥም ብልሽት ምዃኑ ፍለጥ ኣየናይ መሳርሒ ልዕሊ ዓቕሙ ፅዕነት ይስከም ከም ዘሎን ብዘይግቡእ ዓቐን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይሰርሕ ከም ዘሎን ንኽትፈልጥ ድማ ፦
   ምፅራይ ዘሎ ፀገም (ISOLATING THE PROBLEM)
      1,ነቶም ሞለኪዮሊስ ዝተባሃሉ ገመዳት (ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ፓወር ሳፕላይ ወሃቢ ፀዓት ናብ ሙዚቃ) ናብቶም ኣቕሑ ዘብፅሕ ኳረንቲ ምዃኑ እዮ) ካብ ሰፈሮም ኣውፅኣዮም ወይ ካብቲ ገጢሞሞ ዘለው ኣቕሑት ንብምልኦም ፍለዮም።
      2,ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልፀ ገመድ መዐቀኒትካ ብምጥቃም ዘለዎም ዓቐን ፍለጥ
     3,ድሕሪ እዚ ምግባርካ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣጥፍኣዮ
4,ንኹሎም እቶም ሞለክሊስ ኣራኽብቲ ገመዳት ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሰፈሮም ኣውፅኣዮም ነፃ ግበሮም።
5,ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም እንደገና ወልዓዮ እንተድኣ እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክሳዕ መሳርሒ ሙዚቃ በፂሑ ሓደ ካብቶም ካልኦት ወሃብቲ ገመዳት ኤሌክትሪክ ተበላሽዮ ከይህሉ ምፍታሹ ከድልየካ እዮ።
6,ንነፍሰወከፍ መስመር ወይ ሞለክዮልስ ብመሳርሒትካ ዓቅን እቲ ውፅኢት ብልሽት እንተረኺብካዮ እኹል እዮ እንተዘይረኺብካዮ ግና ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንዳ ኣጥፋእኻን እንዳወላዕኻን ነቶም ሞለክዮልስ ገመዳት ሓደ ብሓደ ናብ ሰፈሮም ብምምላስ ፈትኖ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ፀገም ዝፈጥር ዘሎ መሳርሒ ባዕሉ ጠጠው ከብለካ ስለ ዝኾነ ከይተሃወካ እንታይ ምስ ኣእተኻ ጠጠው ከም ዝበለ ክትፈልጥ ኣለካ።
          ዝለዓለ ፈተነ (ADVANCED TESTING)
  እቲ መሰረታውን ናይ መጀመርታን ፈተነ ኤሌክትሪክ ነቲ ብቐሊሉ ክፍለጥ ዝኽእል ብልሽት ኤሌክትሪክ ንምፍላጥ ይሕግዘካ። ኣብ መብዛሕትኡ ግዘያት እቲ ፈተነ ሕማም ናይታ ፓወር ሳፕላይ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እቲ ዝበለፀ ምርጫ ምቕያር ነታ ፓወር ሳፕላይ ብሓዳስ ፓወር ሳፕላይ ይኸውን። ዝላዓለ ፈተነ ብልሽት ንኽትገብር ኣተኩረኻ ኣብቶም ቀንዲ ስራሕቲ ማእከላት ናይታ ወሃቢት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይኸውን። ኣብ ፓወር ሳፕላይ ክፍተሹ ዘለዎም ሰለስተ ክፍልታት ኣለው፦
    1,ኔት ዎርክ መቐየሪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (THE SWITCHING NET WORK)
    2,ቀያሪ ዋሕዚ (TRANS FORMER)
    3,ተቖፃፃሪ ዓቐን ዋሕዚ (VOLTAGE REGULATER) እዮም።

ኣብዚ ስእሊ



1,መርበብ መቐየሪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (THE SWITCHING NET WORK)
   ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (AC) ካብቲ መበገሲኡ ክስዕ ኣብ ዝደለኻዮ መዓላ ዝበፅሕ ዘይምዑርዮን ንኽትጥቀመሉ ዘይምችኡን ኮይኑ ይቐርብ። ንስራሕካ ዝሃስይ ክብን ለጠቕን ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ኣብ ስራሕካ ዝፈጥሮ ዕንቅፋት ፍሉጥ እዮ እዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዋሕዙ ልዕል ክብል ከሎ ስፓይክ(SPIKE) ካብቲ ግቡእ ናህሩ ለጠቕ ክብል ከሎ ካዓ ሳግ (SAG)ተባሂሉ ይፅዋዕ።።ነዚ ተቐያያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ፍሉጥን ፅፉፍን ንምግባር እዮ እዚ ክፍሊ እዚ ዝሰርሕ ዝኾነ መሳርሒ ሙዚቃ ውን መሰረታዊ መፃረይ ቦታ ትውንን እቲ ዝበለፀ ስርሓት ዘለዋ ፓወር ሳፕላይ እቲ ዝበዝሓ መርበብ መቐየሪ ዋሕዚ( )ትውንን። እቶም ቀንዲ መሳርሒታት ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዝርከቡ፦
   1,ረክቲፋየርስ (RECTIFIRES)     2,ፍዮዝ (FUSE)
   3,ካፓሲቶርስ (CAPACITORES)      4,ኣሳለጥቲ መቐየሪ (SWITCHING TRANSISTOER) እዮም።
   

ኣብዚ ስእሊ


እዚ መቐየሪ ኔትወርክ እዚ ሰለስተ ስራሓት ይሰርሕ ንሳቶም ድማ፦
v ኤሌክትሪካዊ ነውፂ የፃርይ (ምልዓልን ምትሕትን ዋሕዚ ኤሌክትሪክ የፃፍፍ)
v ምቕያር ፃዕቂ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ንከይህሉ የፃርዮ እዚ ነቲ ዘሎ ዋሕዚ ብልክዕን ዘይልወጥን ዙረት ከም ዝሰርሕ ይገብርዎ (ፍሉጥን ዘይቅየርን ዑደት ስልክታት 60ግዜ ኣብ ሓደ ሰከንድ ይኸውን)
v ነቲ ቀዳማይ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣየና ዘሎ ስእሊ ፍሉጥ ውፅኢታዊ ዋሕዚ ከም ዘለዎ ይገብሩ።
      2,ማእከል ቀያሪ ዋሕዚ (TRANSFORMER)
   እዚ ክፍሊ እዚ ነቲ ኣርባዕተ ኣንጎላዊ ቅርፂ ዝሕዝ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ተቐያሪ ዋሕዚ ናብ ክልተ ብምኽፋል (12ቮልትን 5ቮልትን)ናብቶም ቀጥታውያን ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይሰድድ።


ኣብዚ ስእሊ
    3,ተቖፃፃሪ ዓቐን ዋሕዚ (VOLTAGE REGULATER) 
  እዚ ክፍሊ ተቖፃፃሪ ዓቐን ዋሕዚ እዚ ነቲ ትሑት ዓቐን ዘለዎ ኤሌክትሪክ ካብቲ ቀያሪ ማእከል (TRANSFORMER) ዝመፅእ ከምኡ ውን ተቐያሪ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ናብ እዚ ከም ባዓል ፦
   1,ኣባራታዕቲ (RECTIFIRES)  2,ኣከብቲ (ካፓሲቶር)  3,ጥምጣም ስልክታት(COILS) የጠቓልል።
 እዚ ክፍሊ እዚ 3ተ ስርሓት የሰላስል፦
*  እቶም ኣባራታዕቲ (ኣቃላጠፍቲ) ምትሕልላፍ ኣቕሑት ከም ባዓል ዳዮድስ(DIODES) ነቲ ኣርባዕተ ኣንጎላዊ ቅርፂ ዘለዎ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ናብ መሳርሒታት ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ቀጥታዊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ንምቕያር ይጠቕሙ።
*  ነቲ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዘይልወጥን ፅፉፍን ዋሕዚ ከም ዝህልዎ ብምግባር ብመንገዲ እቶም ኣከብቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (CAPACITORES) ስሉጥን ዘየቋርፅን ምሉእ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ንክህሉ ይገብሩ።
 
*  ነቲ በቲ መሳርሒ ሙዚቃ ዘድሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቁፅፃርን ነቲ መሳርሒ ሙዚቃ ዘድልያ ዓቐን ብምስዳድን የስርሓ ነቲ መቐየሪ ኔት ወርክ ኤሌክትሪክ ብምትዕርራይ ብዝበለፁ መስመራት ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ግብረመልሳዊ መስመር (FEED BACK CIRCUIT) ዝተባሃሉ መስመራት ስርሑ የሳልጥ።


ኣብዚ ስእሊ
ንሓደ ፓወር ሳፕላይ ተወሊዑ ከሎ ክትከፍቶ ኣይግባኣን ከምኡ ውን እታ ፓወር ሳፕላይ ካብቲ ዓቂባቶ ዘላ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ እትናገፍ ክትፅበያ ይግባእ። ኣብ ምትዕርራይ ፓወር ሳፕላይ እኹል ኣፍልጦ ዘይብልካ ክትፈትሖ የብልካን።

ኤሌክትሮኒካውያን ኣቕሑት (ELECTRONIC COMPONENTS)
   ከም ክኢላ መጠን ምስቶም ቀንዲ ኣቕሑት ኤሌክትሮኒክስ ዘለካ ሌላ ክዓብን ብግቡእ ስርሖም ክትፈልጥን ግድን እዮ። እቶም ቀንዲ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቕሑት እዞም ስዒቦም እንርእዮም ክኾኑ ይኽእሉ፦
    1,ፍዮዝ (FUSE)
  ቅድሚ ምምፃእ ኣቋረፅቲ ዑደት ኤሌክትሪክ (CIRCUIT BREKERS)      ፍዮዝ እቶም ቀወምቲ መሳርሒታት ናይዚ ኣገባብ ምቁራፅ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ኣብ ግዜ ብርተዐ ኮይኖም የገልግሉ ነይሮም ክሳዕ ሕጂ ውን ኣብ ስራሕ ዝርከቡ እዮም። ሓደ ፍዮዝ ንሓንትን ፍልጥትን ኣገልግሎት እዮ ዝስራሕ እዚ ስርሓት እዚ ኣብ ግዜ ብርቱዕ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ በጃ ብምኻን ንኽልኦት ኣቕሑት ንኸይባላሾ ነቲ ዋሕዚ ብምብታኽ  ይኸውን። ሓደ ፍዮዝ ክንደይ ዓቐን ክፃወር ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ኣብ ሓንቲ ካብተን ንኣሽቱ ኩባያ መሰልቲ ሓፃውን ተፃሒፉ ንርእዮ እዚ ማለት እቲ ፍዮዝ ክሳዕ እቲ ተፃሒፉ ዘሎ ዓቐን ዝመፀ እንተመፀ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዋላ ሓንቲ ክገብሮ ኣይኽእልን ካብኡ ምስ ዝዓቢ ግና ይቃፀል። ስለዚ ኣብ ግዜ ምቕያር እዚ ፍዮዝ እዚ ዓቐኑ ክትፈልጦ ብልክዕ ውን ነቲ ቀዳማይ ፍዮዝካ ዝውንኖ ዝነበረ ዓቐን ክመሳሰል ክኽእል ኣለዎ።



ዝተፈላለዮ ዓይነታት ፍዮዝ ስእሊ
ኣብ ግዜ ብልሽት ናይዚ መሳርሒ እዚ ካልእ ምስ እትቕይር እሞ እቲ ዝቐየርካዮ ሓድሽ ፍዮዝ ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ናይቲ ዝቐደመ ዝበፅሖ እንተኾይኑ ( ኣብ ሓፂር ግዜ ) እታ ፓወር ሳፕላይ መሳርሒ ሙዚቃኻ ዝላዓለ ዓቐን ዘለዎ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ትሰድድ ስለ ዘላ ንኻልእ ብልሽት ክትፍትሽ ይግባኣካ።ሓደ ፍዮዝ ከም ዝተባላሸወ ንኽትፈልጦ ዓይንኻ ብምርኣይ ጥራሕ ክኸውን ይኽእል እዚ እቲ መተሓላለፊ ስልኪ ወይ ክብተኽ ስለ ዘለዎ እዮ።
    2,ካፓሲቶርስ (CAPACITOERS)
  እዚ ክፍሊ እዚ ንሓደ ኤሌክትሮኒካዊ ምልኣት ዓቂቡ ንምሓዝ ይጠቅም።።ገለ ስርሓት ካፓሲቶርስ (CAPACITOERS) ንሓፂር ግዜ ዋሕዚ ዝዕቅቡ ክኾኑ ከለው ገለ ካብ ዘይተወሰነ ዓቐን ዋሕዚ ክእክቡ ወይ ክዕቅቡ ተኽእሎ ኣለዎም። ዓቐን ሓደ ዓቃቢ ክሕዞ ዝኽእል ክእለት ዕቃበ (CAPACITY) ተባሂሉ ይፅዋዕ። እዚ ዕቃበ እዚ ክዕቀን ከሎ ብማይክሮፋይድ(MFD) ይኸውን።



ኣብዚ ስእሊ
ቅድሚ ንሓደ ዓቃቢ (CAPACITOER) ዘለዎ ትሕዝቶ ንኽትፈልጦ ክትዕቅኖ ምጅማርካ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምልኣት ኤሌክትሪክ ነፃ ምህላው ኣረጋግፅ።
     ኣባራታዕትን ዳዮዳትን (RECTIFIRES AND DIODES)
  ኣባራታዕቲ (RECTIFIRES) ነቲ ዝፀንሓ ተቐያሪ ዋሕዚ (AC) ናብ ቀጥታዊ ዋሕዚ(DC) ይቕይሩ። ዳዮድስ (DIODES) ካዓ ነቲ ዝተቐየረ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ሓደ መኣዝን ሒዙ ንምጉዓዝ ይሕግዙ። ስእሊ ርኣ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ኣብ ሓደ መስመር ዘለው ዳዮዳት ካብ ተቐያሪ ዋሕዚ(AC) ናብ ቀጥታዊ ዋሕዚ (DC) ንምቕያር ዝፃወትዎ ተራ ውን ልዑል እዮ።



ኣብዚ ስእሊ
ካልእ ውን ዳዮዳት ንዝላኣኽ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ከቀላጥፉ ይኽእሉ።
     ትራንስዚስተር (TRANSISTORS)
 ምምፃእ ናይዚ መሳርሒ እዚ ምቹእነት ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ካብን ናብን ከምኡውን ንምዕቡል ኤሌክትሮኒካዊ ስርሓታት ኣብ ምፍጣር ዝተፃወቶ ተራ ኣዝዮ ዓብይ እዮ። ምስ ምትእትታው እዚ ዓይነት ኤሌክትሮኒካዊ ኣቕሓ እዚ ኤሌክትሪክ ክረኽቡ ዘይኽእሉ ወይ ውን ብግቡእ ምልኣት ኤሌክትሪክ ዘየራኻኽበሎም ዝነበሩ ክፍልታት ምሉእ ብምሉእ ዝደለይዎ መጠን ዋሕዚ ከም ዝረኽቡ ጌሩ እዚ ማለት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ኩሉ ንክባፃሕ ዓቢ ተራ ይፃወት።
     ኣፃረይቲ (ኣሰጋገርቲ) (TRANSFORMERS)
  ዝበለፀ ስራሕ ናይዚኦም ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ኣብ ዝብርትዓሉ ግዜ ነቲ ዘለዎ ብርታዐ ምጉዳል (STEP DOWN) ወይ ውን ብኣንፃሩ ምስ ዝጎድል ምብርታዕ (STEP UP) ምግባር እዮ። ኣብ ምጉዳል ዋሕዚ ኤሌክትሪክ እዚ መሳርሒ እዚ ኣፃርዮ ኣብ መወዳእታ መውፅኢ ጫፍ ናህሮም ውስኽ ኣቢሉ የውፅኦም ኣብ ምብርታዕ ዋሕዚ ውን ልክዕ ከምኡ ነቲ ዘሎ ብርታዐ እንዳሰተዮ ኣብ ውፅኢቱ እቲ ዘድሊ ዓቐን ጥራሕ ይሰዱ። እዚ መሳርሒ እዚ ክልተ ክፍልታት ዝውንን ኮይኑ ንረኽቦ ቀዳማይ ጥምጣም ኳረንቲ (PRIMARY COILS) ከምኡ ውን ካልኣይ ጥምጣም ኳረንቲ (SECONDARY COILS) ተባሂሎም ይፅውዑ። እዞም ጥምጣማት ስልክታት እዚኦም ካብ ነንሕድሕዶም ከይፈናተቱ ኣኪቡ ዝሕዞም መጣጊ ኣለዎም። እዞም መጠግቲ እዚኣኦም ኣስታረርቲ (LAMINATIONS) ተባሂሎም ይፍለጡ። እዞም ኣፃረይቲ (ኣሰጋገርቲ) ምስቶም ኣነሃሃርቲ ዋሕዚ (RECTIFIERS) ተተሓሒዙ ስርሑ ዝቕፅል መሳርሒ እዮ። እቲ ካልኣይ ክፍሊ ጥምጣም ስልክታት ኣፃረይቲ (ኣሰጋገርቲ)(transformers) ፓወር ሳፕላይ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ብ12ቮልት 5ቮልት ከምኡ ውን 3.3ቮልት ቀይሩ ብምውፃእ ነቶም ካልኦት ኣቕሑት መሳርሒኻ ከም ዝዕድሉ ይገብር።



ኣብዚ ስእሊ
ምፍታሽ ንኣሰጋገርቲ ዋሕዚ (TESTING TRANSFGRMER)
  ከም ዝተገልፀ ኣስጋገርቲ ኤሌክትሪክ (TRANSFORMER) ብዝተጠናነጉ ቡዝሓት ስልክታት ዝቖመት እያ። ነፍሲ ወከፍ ስልኪ ዘየቋርፅ ምትሕሓዝ ኣለዎ ስለዚ ነፍሲ ወከፎም ክትዕቅኖም ይካኣል። እዚ ንምግባር እዞም ዝስዕቡ መንገድታት ትጥቀም፦
Ø ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ መመንጨዊ ሶኬት ኣውፅኣዮ።
Ø ኣብ ፓወር ሳፕላይ ንዘሎ ዋሕዚ ወይ ምሉእነት ኤሌክትሪክ ክሳዕ ዝነፅፍ ተፀበዮ።
Ø ኣብቲ ሰሌዳ ናይቲ ፓወር ሳፕላይ ዝፀንሕ ምልኣተ ኤሌክትሪክ ኣሎን የለን ዝሕብር መብራህቲ ተመልከት (እዚ መብራህቲ እዚ ንቑሩብ ዝፀንሕ ምልኣተ ኤሌክትሪክ እንተሎ ተወሊዑ ይፀንሕ እሞ እቲ ዝነበረ ምልኣተ ምስ ተወድእ ግና ሓይሊ ስለ ዝስእን ይጠፍእ) ስለዚ እዚ መብራህቲ እዚ ነቲ ዝፀንሓ ምልኣተ ከም ዝተወድእ ዝሕብር ኮይኑ ንረኽቦ። ነዚ መሰጋገሪ ኤሌክትሪክ (TRANSFORMER) ምስቲ ሰሌዳ ፓወር ሳፕላይ ዘላግብ ገመድ ኣብ ትሕቲኡ ስለ ዘሎ ነዚ ገመድ እዚ መሽትካ ከተውፅኦ ይግባኣካ።
Ø እዚ ምስገበርካ ንመሳርሒት መዐቀኒትካ ንዘሎ ቀፃልነት ዋሕዚ (CONTINUITY) ወይ ረዚስታንስ ንምዕቃን ኣተዓራርያ።
Ø እዚ ምስ ገበርካ ነቶም ገመዳት በብሓደ ትንክፍ ትንክፍ እንዳበልካ ንዘሎ ቀፃልነት ዋሕዚ ወይ ውን ረዚስታንስ ክትፈልጥ ይካኣል።
ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እትርከብ ኣስጋጋሪት ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ረዚስታንስ
  (RESISTANCES) ክትረኣየካ እያ ዝለዓለ ዓቐን ዘለዎ ረዚስታንስ ምስ ተርእየካ ግና ኣብቶም ስልክታት ሓደ ተበቲኹ ወይ ተሰይሩ ከም ዘሎ ፍለጥ።
        ማግኔታውያን ኣፃረይቲ (INDUCTORS)
 ማግኔትውያን ኣፃረይቲ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ (INDUCTORS) መብዛሕትኡ ግዜ ሕልኽላኽ ስልክታት (COILS) ተባሂሎም ይፅውዑ። እዚ ብምኽንያት እቲ ዘለዎም ኣቃውማ ክኸውን ይኽእል እዞም ስልክታት እዚኦም ኤሌክትሪክ ዘተሓላልፉ (CONDUCTIVE WIERS) እዮም። ስእሊ ርእ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ በዚ መተሓላለፊ መስመር ወይ ኳረንቲ ክሓልፉ ከለው ማግኔታዊ ባእታ ይፈጥሩ እዚ ባእታ እዚ ንተደጋጋሚ ምልውዋጥ ዋሕዚ ብምቕያር ፅሩይን ፅፉፉን ዋሕዚ ከም ዝህሉ ይገብሩ። ማግኔትውያን ኣፃረይቲ (INDUCTORES) ብተወሳኺ ብተደጋጋሚ ከምኡ ውን ብዙሑል መንገዲ እንዳተለዋወጡ ዝኸዱ መልእኽትታት ኣብ ዑደት ከም ዘለው ይሕብሩ።
     ምፍታሽ ሕልኽላኽ ስልክታት (TESTING COILS  )
  እዞም ስልክታት ዝኾነ ይኹን ዘደናግር መንገድታት ክሳዕ ዘይሃለዎም ኣብ ምፍታሾም ንብልሽት ብዝበለፀ ንቲ ኣሰጋጋሪ (TRANSFORMER) ተመሳሳሊ ኮይኑ ንረኽቦ። ዓይንኻ ብምርኣይ ጥርሕ ውን እዚ መሳርሒ እዚ ከመይ ከም ዘሎ ከተነፅሮ ይካኣል። ዝኾነ ይኹን ሕራር ወይ ብታኽ ምስ እትርኢ ክትቅይሮም ጥራሕ እዮ ዘለካ እንተድኣ እቲ ገመድ ፅቡቕ ዘሎ መሲሉ ተራእዮካ ግና ነቲ ዘለዎ ዓቕሚ ምትሕልላፍ ምፍታሽ ከድልየካ እዮ። ከምቲ ዝፍለጥ ዝኾነ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቕሓ ብልሽት ንኽትፈልጥ ክትሕስብ ከለኻ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ኤሌክትሪክ ምንጩ ክተውፅኦን ዘለዎ ዓቐን ኤሌክትሪክ ክስዕ ዝጎድል ክትፅበን ኣለካ ብምቕፃል ነቲ ስልኪ ብክልተ ጫፋቱ ገመዳት መዐቀኒትካ ብምቕማጥ ንዘሎ ቀፃልነት ዋሕዚ ከም ዘሎ ይሕብር ዝላዓለ ዓቀን ዋሕዚ(CONTIUNITY) ከም ዝኾነ የረድኣና ስለዚ ነዚ መሳርሒ ምቕያሩ የድልየና።ሕሕህህህህህሕህሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕ

No comments:

Post a Comment