Thursday, August 9, 2012

ሸሓነ ሳተላይት


ንንባብ ዝሕግዙ ሕቶታት
ነዞም ዝስዕቡሕቶታት መልስ
1, ኣብ ምትካል ሸሓነ እንታይ ጥንቃቐታት የድሊ?
2, ንምትካል ሸሓነ ሳተላይት ረሲቨር እንታይ መሳረሒ የድሊ?


3, መሬት ቀዋምነት (ምስ መሬት እተወሃሃደ ዑደት =) እንታይ ማለት እዩ?
4, ኣብ መራኸቢ ሳተላይት ንምንታይ ማይክሮዌቭ ባንድ ንጥቀም፤
5, ዋልታውነት እንታይ ማለት እዩ?
6, ዓይነታት ዋልታውነት ስመዮም?
7, ዲሞጂለሽን እንታይ ማለት እዩ?
8, ካብ ሳተላይት ዝፍኖ ምልክት ከድክሙ ዝኽእሉ ዘርዝር?
9, ረብሻ እንታይ እዩ?
10, ኣብ መንጎ ከዩን ኢ ባንድን ኤሌኤንቢ እንታይ ፍልልይ ኣሎ?
11, ኣኔቴና ምንእእስን ምዕባይን ምልክት ኣብ ምቕባል እንታይ ፍልልይ ኣለዎ?
12, ግዝፊ ሸሓነ ምስ ዓይነት ኤሌንቢ እንታይ ርክብ ኣለዎ?
13, ተቐባሊ ሸሓነ ከማልኦ ዘለዎ መሰረታዊ ረቛሒታት ዘርዝር?
14, ኣብ ኤሌኤንቢ ዝፍጠር ኣበር እንታይ ይመስል?
15, ኣብ ሸሓነ ዝፍጠር ኣበር እንታይ ይመስል?
16, ኣብ ገመድ ኮኣክሻል ዝፍጠር ኣበር እንታይ ይመስል?
17, ኣብ ማዘርቦርድ ዘጋጥም ፀገም እንታይ ይመስል?
18, ኣብ መጋቢ ጉልበት ዝፍጠር ፀገም እንታይ ይመስል?
19, ኣብ መንጎ ኣውቶማቲክን ስካንን ማንዋል ስካንን እንታይ ፍልልይ ኣሎ?
20, መስርሕ ፈነወ ሳተላይት ----------, ----------- , -------------, የጠቓልል፣
21, -----------, ኣንቴና ብምሉኡ ዝመፅእ ፀርጊ ተንፃባሪቑ ናብ መጋቢ ቀርኒ ኣብ ማእኸል ኣብ ሓደ ነጥቢ ይእከብ፣
22, ---------- ኣንቴና ንዝመፅእ ማዕበል ኣብ ሓደ ነፃሪ ምልክት ይእከብ፣ ንጸርጊ ግን ኣብ ማእከል ዘይኮነ ናብ ሓደ ጫፍ የዘዙ፣
23, --------- ኣንቴና ክልተ ኣንፀባራቒ ፓራቦላ ተጠቒሙ ቅድሚ ወ ድሕሪ ሸሓነ ዝርከብ ኤሌንቢ ይምግብ፣
ጥንቃቐታት ኣብ መሳረሒታት ምትከሊ ዲሽ
1, ግቡእ ናውቲ መትከሊ ዲሽ ተጠቐም፣ ዘይግቡእ መሳረሒ ምጥቃም ፅቡቕ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቕሓ ከበላሹ ይኽእል እዩ፣
2, ጎነፅ ምስ እተዘውትር ደጋዊ ወይ ውሽጣዊ ኣካል ሰርክዩት ከተበላሹ ትኽእል ኢኻ፣
3, ክትተክል ከለኻ ብልዕሌኻ ዝሓልፍ ሕቡእ ኣብ መንድቕ ዝተቐበረ ገመድ ኤለትሪክ ከይህሉ ተጠንቀቕ፣ እትጥቀመሉ ናውትኻ ኣንቴና፤ መሳልል፤ ወ,ዘተ ተጠንቀቕ፣
4, ኣብ ላዕሊ ናሕሲ ደይብካ ክትሰርሕ ከለኻ ኣብ ትሕቴኻ ዘለዉ ሰብን እንስሳን መጉዳእቲ ከይወርደሎም ኣስተውዕለሎም፣
5, ላዕሊ ቅድሚ ምድያብካ ኣብ መሬት ኮይንኻ ክትሰርሖ እትኽእል ዘበለ ግበር፣ ዝናብን ንፋስን ኣብ ዝኾነሉ ዲሽ ኣይትትከል፣
6, ትተኽለሉ ቦታ ኣፀጋሚ ምስዝኸውን ዝያዳ ጥንቃቐ ይሓተካ፣
ናውቲ መትከሊ ሳተላይት ሸሓነ
1, ካቻቪቶ።- እዚ ናውቲ እዚ መፍኮስን፤ መግጠምን ብሎን እዩ፣እቶም ብሎናት ኣብ መንድቕ ወይ ኣብ ናሕሲ ኣፀቢቖም ክሕዙልና እንጥቀመሎም እዩ፣ ክልተ ዓይነት ካቻቢቶታት ኣለውና፣ ፍሊፕንስን ፍላትን ይበሃሉ፣
2, መፍተሒ (wrench) ንመእሰርን መፍተሕን ይጠቅም፣ ክገፍሕን ክፀብብን ድማ ይኽእል፣
3, ትራፖኖ።- እዚ መሳረሒ እዚ ንመንኮሊ ጣውላ፤ መንድቕ፤ ሓፂን እንጥቀመሉ ኮይኑ እቲ ዝተዓበሰ ጉድጓድ ንብሎን መእተዊ ንጥቀመሉ፣ እቲ ዝተዓበሰ ኣካል ፑንታ ይበሃል፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታትን ዓቐንን ፑንታታት ኣለዉ፣ ቀንዲ ኣብ ምትካል እንጥቀመሎ ፑንታታት ንኣብነት ቁ.8።10 ሚሊሜትር ኣለዉ፣
4, ኮምፓስ ።- ማእዘን ኣብ ማግነታዊ ሰሜን እንረኽበሉ መሳረሒ እዩ፣ ኣብ ምትካል ዲሽ ኣዚመስ (azimuth) ንምርካብ ንጥቀመሉ፣ ክልተ ዓይነት ኮምፓስ ኣለዉ።- ኣናሎግን ዲጂታልን ይበሃሉ፣
5, ካተር።- መቑረፂ ገመድ እንጥቀመሉ እዩ፣ ቅርፁ ሰንጢ ወይድማ ፒንሳ መሰል ክኸውን ይኽእል፣

ሳተላይት
ሳተላይት ማለት ኣመሓላላፊ (ኣስገርቲ)(relay) ማለት እዩ፣ ክልተ ዓይነት ሳተላይት ኣለዉ።- 1) ተፈጥራኣዊ   2)ሰብ-ስራሕ ሳተላይት ይበሃሉ፣
ተፈጥራዊ ሳተላይት (natural satellite):- ብተፈጥሮ ዝተምሃዛ ሳተላይት ክኾና ከለዋ ንሳተን ድማ ከም ወርሒ፤ ከዋኽብቲን ፀሓይን የጠቓለላ፣
ሰብ-ስራሕ ሳተላይት(artificial satellite):- ብሰብ ተሰሪሐን ናብ ህዋ ዝውንጨፋ ሳተላይት ክኾና ከለዋ።- ንዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ንምልውዋጥ ንጥቀመለን፣    
ሳተላይት ብሮኬት ዝውንጨፋ ኣብ ዙርያ መሬት ዝዞራ መንኮራኩራት እየን፣ ኣብ ውሱን ዓንኬል ከዓ ዑደተን የካይዳ፣ ብራኸአን ዝያዳ ምስዝኸውን ፍጥነት ዑደተን ይጎድል፣ ንሓደ ሙሉእ ዑደት ክገብራ ዝወስድኦ ግዜ ከዓ የነውሕ፣ ሳተላይት ቅናታዊ (equatorail) ወይ ዋልታዊ (orbite) ከምኡ’ውን ውሱናዊ (leos) ዑደት ከካይዳ ይኽእላ እየን፣ ዛጊት 10,000 ሳተላይት ኣብ ህዋ ይርከባ፣ ካብዚአን እታ ዝነኣሰት ሳተላይት ስፓንቲካን ሳተላይት (spantikan) ተባሂላ ትፍለጥ፣ እዚኣ ሳተላይት ንወታደራዊ ሓገዛትን ንምስጥራውነትን ናይ ሩስያ ስራሕቲ ትውዕል ኣላ፣ ናይዚኣ ሳተላይት ቁመታ=10cm ክብደታ ድማ 100 ግራም ይበፅሕ፣
ቅናታዊ ዑደት
ቅናታዊ ዑደት ዘካይዳ ሳተላይት ልዑል ሕንባበ እኳ እንተሃለወን ቀወምቲ ኮይነን የረኣያና፣ እዚ ከዓ ካብ መሬት 36,000 ኪ/ሜትር ርሒቐን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሓደ ግዜ ንመሬት ይዞርኣ፣ ፍጥነተን ምስ መሬት ማዕረ እዩ፣በዚ ምኽንያት ምስ መሬት ዝተወሃሃደ ዑደት የካይዳ (geostationary) ፣
 ሳተላይት ልዕሊ 36,000 ኪ/ሜ ርሕቐት ዑደት ምስዘካይዳ ካብ ናይ መሬት ፍጥነት ይጎድል፣ ትሕቲ 36,000 ኪ/ሜ ርሒቕርን ዑደት ምስ ዘካይዳ ካብ ናይ መሬት ፍጥነት ይዛይድ። ልክዕ 36,000 ኪ/ሜትር ሪሕቐን ዑደት ምስ ዝካይዳ ምስ ዑደት መሬት እተወሃሃደ ዑደት የካይዳ፣





              ስእሊ ሕንባበ መሬት ምስ ሳተላይት

ዘመናዊ መራኸቢ ሳተላይት ክብፃሕ ዝኸኣለ ብምውህሃድ ናይ ህዋ ቴክኖሎጂ ክእለትን ፍልጠትን ምስ ማይክሮ ወይቭ ኢንዳስትሪን እዩ፣ እዚ ዘገምታዊ ለውጢ ኣብ ኮምፒተርን ኣብ መራኸቢ ሳተላይት ኢንዱስትሪ ዝነበረ ዶብ ከምዝጠፍእ ገይርዎ፣
ኣምር ፈነወ ናይ ሳተላይት መጀመርያ ዝነቐለ ብኣርቱርሲ ክለርክ ኣብ መስከረም 1945 ስልኪ ኣልቦ ዓለም ኣብ ዝብል ፅሑፍ እዩ፣ ምልክት (SIGNAL) ናይ ህዋ ብኣንቴና ይፍኖ፣ ሳተላይት መስሪሑን ኣዛይዱን ንመሬት ይለኣኽ፣
ዋልታዊ (Orbite satellite)
እዚአን ሳተላይት ካብ ሰሜናዊ ዋልታ ናብ ደቡባዊ ዋልታ እናዘወራ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ንዓለምና ኣብ ምምጋብ ይርከባ፣
ውሱናዊ (leos):- እዚአን ሳተላይት ንውሱን ቦታታትን ይኹን ምስጥራዊ ነገራት ሓበሬታ ንምፍታሽ ተባሂለን ዝለኣኻ ሳተላይት እየን፣ ኣብ ሓደ ውሱን ቦታ ናይ ህዋ ኮይነን ከዓ መልእኽተን ናብ ዝለኣኸን ኣካል የመሓላልፋ፣
ቅናታዊ (geos) ።- እዚአን ሳተላይት ከዓ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ እናተንቐሳቐሳ ዑደት ብምክያድ ሓበሬታ ካብን ናብን የመሓላልፋ፣


ሳተላይት ንምስሓብ ዘድልዩ ነገራት
1, ሸሓነ ኣንቴና (parabola):- ሸሓነ ካብ ህዋ ብሳተላይት ዝተልኣኹ ሲግናላት ተቐቡሉ ናብ ረሲቨር ዘመሓላልፈልና ኣካል ሳተላይት እዩ፣ እዚ ሸሓነ ክትገዝእ ከለኻ ኣፀቢቕኻ ምርኣይ የድሊ፣ ምኽንያቱ ኣብዚ ሸሐነ ዝበፅሐ ሓደጋ ነቶም ካብ ህዋ ዝተልኣኹ ሲግናላት ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ናብ ረሲቨር ዘመሓላልፈልና ብኡ ኣቢሉ ኣንፀባሪቑ ከይምልሰልና፣ እዚ ከዓ ኣብ ዝኾነ ሸሓነ ዝተወቕዐ ወይ ዝተወቐረ ከይህሉ ምርኣይ ከገድሰካ እዩ፣
Ku Band Dish Antenna






2, ኣሰር (footprint):- ማለት ሳተላይት ዝጎዓዘሎም ወይ ሰንጢቕዎም ዝኸይድ መንገድታት ህዋ ማለት እዩ፣ ንስኻ ዝኾነ ሳተላይት ክትስሕብ እንተደሊኻ ኣሰር(footprint) ናይ ሳተላይት ክትፈልጥ ኣለካ፣ እዚ ማለት ከዓ ካብ እቲ እትደልዮ ሳተላይት ዝልኣኹ ሲግንላት(signals) ናብ ዓድኻ ወይ እቲ ዘለኻዮ ሃገር ይልኣኹ ድዮም ወይስ ኣይልኣኹን፣ከም ኣብነት ኣብ ኤርትራ ዝርኣዩ ሲግናላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣይርኣዩን፣ ወይ ከዓ ኣብ ሱዳን ዝርኣዩ ሲግናል ኣብ ኢትዮጵያ ኣይረኣዩን፣ ስለዚ ቅድሚ ዝኣገረ ምሕታት ወይ ምውካስ ከድልየካ እዩ፣





3, LNB: - ኣብ ሸሓነ ዝርከብ ኣካል ሳተላይት ኮይኑ፣ ካብ ሳተላይት ዝተልኣኹ ድግምጋማት (frequency) ናብ ዝነኣሱ ድግምጋማት ቀይሩ ናብ ረሲቨር ዝልእኽ ኣካል እዩ፣ በዚ መሰረት ሓደ ረሲቨር ብዓቐን ድግምጋማት (frequency) ትሕቲ 1.5 ጂ.ሄርዝ ይወስድ፣
-    ክልተ ዓይነት LNB ኣለዉ፣ ንሳቶም ድማ።- C- BAND   KU- BAND ይበሃሉ፣
 4, ገመድ ሳተላይት (coxial cable):- ካብ LNB ናብ ሸሓነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ገመድ እዩ፣ ከይዕፀፍን ወይ ከዓ ከይርገፅ ልዑል ጥንቃቐታት ግበረሉ፣ 
4, f-connector: - እዚ ኣካል ኣብ ሳተላይት ገመድ ዝስኳዕ ኮይኑ ምስ ረሲቨር ይኹን ሸሓነ ከምብሎን ኮይኑ ንምትሕሓዝ ዝጠቕመና እዩ፣ ኣብ ሳተላይት ገመድ ክልተ ዓይነት ማለት ፃዕዳን ቀይሕን ስልክታት ኣለው፣ እቲ ፃዕዳ ግራውንድ ተባሂሉ ክፅዋዕ ከሎ፤ እቲ ቀይሕ ከዓ ኮኔክተር (CONNECTER) ይበሃሉ፣ ኣብ መንጎ ምግጥጣም ረሲቨር ምስ ገመድ ሳተላይት እቲ ግራውንድ ምስ ረሲቨር ከይነኻኻእ ተጠንቀቕ፣ እንተደኣ ምንኽኻእ ፈጢሩ ፓወር ኣብ ዝውላዕ ረሲቨር ክትቃፀል ትኽእል
how to 
fit f plugsእያ፣







ሓደ ቴክንሻል ክፈልጦም ዝግበኦ ነገራት
1, ስም ሳተላይት።- ብሳተላይት ኣቢልካ ሲግናላት ክትስሕብ እንተደኣ ደሊኻ እቲ ቐንዲ ክትፈልጦ ዝግበአካ ስም ሳተላይት (NAME SATELLITE) እዩ፣ ንስኻ እንታይ ሳተላይት ደሊኻ? ኣረብ ሳት፤ ናይል ሳት፤ ኤሽያ ሳት፤ ፓነም ሳት፤ ኢንተል ሳት….

2, ቦታ (position):- ዲሽ ወይ ሳተላይት ክትተክል ከለኻ ቦታኻ ይኹን ቦታ ናይታ እትደልያ ሳተላይት ክትፈልጥ ኣለካ፣ ኣብዚ ሓደ ዓብዩ ነገር ክትፈልጦ ዝግበአካ ነገር ኣሎ፣ ንስኻ ኣብየናይ ድግሪ ኣለኻ? ሳተላይትካ ኸ? ንኣብነት ኤርትራ ኣብ 450 ምብራቕ ትርከብ፣ ኣረብ ሳት ከዓ 26 ድግሪ ምብራቕ ትርከብ፣ በዚ መሰረት እታ ዝደልኻያ ሳተላይት እትርከበሉ ኣንፈት ምስ ፈልጥኻ ሸሓነኻ ሒዝካ ክትራኸብ ስራሕኻ ጀምር፣
3, LNB ዓይነት ።- ክልተ ዓይነት LNB ኣለዉ።- C-BAND AND KU-BAND
-    C-BAND:- ድግምጋማት (frequency) = 5150 ጂ.ሂርዝ ይበፅሕ፣
-    Ku-band :- ድግምጋማት (frequency)  = UNI- 1 = 9750 - 10750
= UNI- 2 = 10750 – more
ስለዚ ዓይነት LNB ፍለጥ፣ C-BAND ዓብዩ ሸሓነ ይውንን ምኽንያቱ ውሑድ ድግምጋም ናይ ሲግናላት ስለዘለዎ፣ KU-BAND ባንድ ከዓ ንእሽተይ ሸሓነ ይውንን ፣
4, ድግምጋም (frequency) ።- ማለት መራኸቢ ኮድ ናይ ሳተላይት እዩ፣ እቲ ትደልዮ ዘለኻ ሳተላይት ክመፅአካ እንተኾይኑ ናይ ባዕሉ ድግምጋም (frequency) ኣለዎ እዩ፣ ካልእ ኣገዳሲ ባህሪ ናይ ሬድዮ ማዕበል ድግምጋማት እዩ፣ ድግምጋም ማለት ብዝሒ ምንብድባድ ኣብ ካልኢት እዩ፣ድግምጋም ናይ ሬድዮ ማዕበል ንIM ፈነወ ረድዮ ድዩ ወይስ ናይ ሳተላይት ቴሌቭዥን መዓላ ይውዕል ይውሰን፣ ማይክሮወይቭ ብሜ/ሄርዝ ዝዕወን ድግምጋማት ኣለዎ፣ ድግምጋማት ማዕበል ክውስኽ ከሎ ንውሓት ማዕበል ይጎድል፣ ድግምጋማት ክጎድል ከሎ ግን ብኣንፃሩ ንውሓት ማዕበል ይውስኽ፣ ንኣብነት ኣረብሳት ክንርኢ እነኾይንና 11747 frequency ኣለዎ፣ ኣብዚ ክንርእዮ ዝግበአና ነጥቢ ግን ኣሎ፣ ንሱ ድማ transponding (TP) እዩ፣ እዚ ማለት ከዓ ቀንዲ መራኸቢ ናይ ፍሉይቲ ወይ ውሱንቲ ሲግናል እያ፣ ንኣብነት ናይ ኤርትራ እንተሪእና 11979 frequency ኣለዋ፣
5, ምልክት (symbolrate):- እዚ ማለት ከዓ ምልክት ዓቐን ናይቲ ሲግናል እዩ፣ በቲ ናይቲ ዓዲ ዝወሃብ ከዓ ይኸውን፣ ንኣብነት ናይ ኤርትራ = 27500 symbolrate ኣለዋ፣
6,. ዋልታውነት (polarization)
ሳልሳይ ኣገዳሲ ባህሪ ኤሌክቶማግኔታዊ ዋልታውነት እዩ፣ ኤሌክትሮ ማግኔታዊ ማዕበል ክጉዓዝ ከሎ ማግኔቲካዊን ኤሌክትሪካውን ሜዳ ይፈጥር፣ ኣንፈት ናይ ጉዕዞ ምስ ማግኔታዊን። ኤሌክትሪካውን ሜዳታት ነፍሲወከፎም ናይ 90 ድግሪ ፍልልይ ኣለዎም፣ ኣንፈት ናይ ኤሌክትሪካዊ ማግኔታዊ ዋልታውነት ይበሃል፣ ትኹላዊ ዋልታውነት ወይ ጋድማዊ ዋልታውነት ይበሃል፣ስለዚ እቲ እትደልዮ ሳተላይት ንግዳም ድዩ ወይስ ንትኹል ፍለጥ፣ you must be know your satellite vertivcal or horizontal polarity.

TV signals transmitted by satellites can be polarized in four different ways: (1) vertical, (2) horizontal, (3) left-hand circular and (4) right-hand circular.







7, FEC (forward error correction)
ማለት ንቕድሚት ኣብ ቅድሚት ስራሕ ኣብ ሳተላይት ዝግበር ብልሽት ወይ ጌጋ ዝርአ መጠን ምስትኽኻል ይሕብር፣ ናትካ ዝረኸብካያ ሲግናል fec ልዕሉ እንተኾይኑ መጠን ምስትኽኻል ሳተላይት ልዑል ይኸውን፣ እንተደኣ ትሑት ኮይኑ ትሑት ይኸውን ማለት እዩ፣ ንኣብነት =1/2, 2/5, ¾, 4/5 , 5/6, 6/7, 7/7, auto.. ናይ ኣረብ ሳት ክንርኢ ¾(auto) ይኸውን፣

ኣረብ ሳት
ኣረብ ሳት ኣብ ሚያዝያ 1976 ዝቖመ እዩ፣ ብማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ንመራኸቢ ባህሊ፤ ሓበሬታ፤ ትምህርቲ ንምልውዋጥ ዝዓለም እዩ፣ እንደገና ዝፍንወሉ(rebroadcast) መደበሩ ኣብ ቱኒዝያ እዩ፣ እንደገና ኣረብ ሳት 2A ዝተወንጨፈትሉ 9 ሓምለ 1996 26 ዲግሪ ምብራቅ እዩ፣ ኣረብ ሳት 2B ክዓ 13 ሕዳር 1996 30.5 ድግሪ ምብራቅ እዩ፣
ኣረብሳት  2C 2 ሓምለ 2003 ዓ.ም ተወንጪፋ፣ ተወሰኽቲ 2 D ። 3 A BADR 3, 4,6, BADR ወዘተ ሳትላይት ኣለዎ፣ ሓንቲ ሳትላይት 40% ገፀ መሬት ክትሽፍን ትኽእል፣ 3 ሳትላይት ብምጥቃም ንመላእ ገፅ መሬት ምሽፋን ይከኣል፣
ኣብ ኣረብ ሳት 26 ድግሪ ምብራቅ ኣብ ረሲቨር ዝርዝር መስርዕ ናይ ሳት ላይት እንታይ የምልክት?
እዚ 26 ድግሪ ምብራቅ እታ ሳትላይት ዑደት ተካይደሉ መስመር እምበር ኣዚ ቦታዊ ኩርናዕ ኣይኮነን፣










ናይል ሳት
ናይልሳት ብዝተፈላለየ ትካላት ግብፂ ትዉነንን፣ ናይል ሳት 101 ብ28 ሚያዝያ 1998 ተወንጭፋ፣
ናይል ሳት 102 ነሓሰ 17 ብ2000 ተወንጭፋ፣ ከም ኩለን ሳትላይት ዕምራ ብዉሑዱ 15 ዓመት ክትፀንሕ ትፅቢት ይግበረላ፣

መመሰራታዊ ኣምራት ራኸቢ
ኩሎም እንጥቀመሎም መራኸቢ ሓደ ዓይነት ኣምር ይኽተሉ፣ ብመጀመርያ ሓበሬታ ናይ ድምፂ ሙዚቃ ። ስእሊ ፣ቪድዮ ናብ ምልክት ኤሊክትሪክ ይቅየሩ፣
ሓበሬታ ናብ ኢለክትሪካዊ ማዕበል ንምቅያር ኮዲን (CODING) ይበሃል፣ እዚ ምልክት እዚ ምስ ተሰካሚ ማዕበል ይሕወስ፣ እዚ ከዓ ሞጂሌሽን ይበሃል፣ ኣብ ተቀባሊ ምስ በፅሐ ምልክት ይዛይድ ካብ ተሳካሚ ከዓ ይፍለ፣ እዚ ምፍላይ ምልክት ካብ ተሰካሚ ዲሞጂሌሽን ይበሃል፣
ኣብ መራኸቢ ሳት ላይት ንምንታይ ኣብ ማይክሮ ዌቭ ንጥቀም?
-    ማይ ክሮ ዌቭ ካብ ካልኦት ናይ ሬድዮ ድግምጋማት ዝበዝሐ ሓበሬታ ክሕዝ ይኽእል፣ እዚ ዝኾነሉ ኸዓ ልዕል ድግምጋማትን FM ሞጅሊሽን ስለ ዝጥቀሙ እዩ፣
-    ማይክሮ ዌቭ ንላዕለዋይ ከባቢ ኣየር ሰንጢቁ ክሓልፍ ይኽእል እዩ፣ ትሕቲ 30 ሜጋ ሂርዝ ዘለዉ ድግምጋማት ናይ ሬድዮ ማዕበል ብኣይኖስፐር ተንፀባሪቆም ይምለስ፣
-    ፈነወ ሳትላይት ናይ C & KU ባንድን ምጥቃም ሉዑል ድግምጋማት ኣብ ፈነወ ሳትላይት ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣለዎ፣ እዚ ቴክኖለጂ እዚ ምጥቃም ዋጋ መራኸቢታትን ፈነወን ኣዝዩ ከም ዝሓስር ገይርዎ እዩ፣ ስለዚ ሓደ ሳትላይት ንኽልቲኡ ባንድታት ከሰጋግር(relay) ይኽእል እዩ፣
ኤለክትርካዊ ማግኔትዊ ማዕበል
ማይክሮ ዌቭን ናይ ሬድዩ ማዕበልን ንሬድዮ ተሌቪዥንን ካልኦት መራኸቢታትን ዝሰርሓሉ ኤልክትሮ ማግኔታዊ ማዕበል ይበሃል፣ እዞም ምልክታት ብመሳርሒ ክንሪኦም እንተለና ናይ ማዕበል ቅርፂ ኣለዎም፣
ኤሌክትሮ ማግኔታዊ ማዕበል ብናይ ብርሃን ፍጥነት 1 x 108 ሚትሮ ኣብ ካልኢት ይጎዓዝ፣ ድምፂ ግን 300 ሜ /ካልኢት ይጎዓዝ፣ ዝስደድ ሓበሬታ ብናይ ብርሃን ፍጥነት ካብ ሰዳዲ ናብ ተቀባሊ ከባቢ 0.4 ካልኢት ይወስደሉ፣
-    ገለ ባህርያት ኢለክትሮ ማግኔታዊ ማዕበል ንምጥቃስ
-    ጉልበት(power)
ሓደ ባህሪ ኤልክትሮ ማግኔታዊ ማዕበል ጉልበት ወይ ብርታዐ እዩ፣ናይዚ ኣሃዱ ዋት ኣብ ትርብዒት ሜትር እዩ፣
ንኣብነት 5 ዋት ኣብ ትርብዒት ሜትሮ ክንብል እንተለና ዝሓልፍ ጉልበት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት ሜትሮ 5 ዋት እዩ፣






ዓንኬላዊ ዋልታውነት (circular polarization)
መብዛሕቲኡ ዘቤታዊ ፈነወ ሳተላይት ኣሳጋሪ (relay) ትኹላዊ ወይ ጋድማዊ መስመራዊ ምልክት ዋልታውነት እዩ፣ ገለ ዓለምለኻዊያን ሳተላይት ግን ፈነወአን ኣብ ክንዲ ብመስመራዊ ፤ ብዓንኬላዊ ይፍነዋ፣
ዓንኬላዊ ፖላራዜሽን ማለት ምንብድባድ ናይ ኤሌክትሪካዊን ማግነቲካውን ሜዳ ኣብ ህዋ ክጉዓዝ ከሎ ዓንኬላዊ መንገዲ ይኽተል፣
ሞጂለሽን(መልእኽቲ ምስ ተሰካሚ ምሕዋስ)
ኣናሎግ ወይ ዲጂታል ምልክታት ምስ ናይ ሬድዮ ወይ ማይክሮወይቭ ማዕበል ኣብ ዝሕወሰሉ ሞጂሌሽን ይበሃል፣ እቲ ዝድለ ምልእኽቲ ሞጅሌት ምስ ኮነ ኣብቲ ዝድለ ድግምጋማት ኮይኑ ካብ ሰዳዲ ናብ ተቐባሊ ይበፅሕ፣ ሬድዮ፤ቲቪ፤ሬሲቨራት ከዓ ነቲ ዝድለ መልእኽቲ ካብ ተሰካሚ ማዕበል የፈልዮ (Demodulation) (ዘይምምዕርራይ)
እቶም ክልተ ዝውቱራት ዓይነት ሞጂሌሽን IMን FMን እዮም፣
-    ግፍሒ ባንድ (ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ክስከም ይኽእል) ?
ሓደ ገፊሕ ሰንጣቒት ዘለዎ ቲቦ ማይ ካብ ቀጢን ሰንጣቒት ዘለዎ ዝያዳ ማይ የሕልፍ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝገፍሐ ባንድ ዘለዎ ካብ ዝፀበበ ዝያዳ ሓበሬታ የመሓልልፍ፣ወደቕታ ናይ ድግምጋማት ግፍሒ ባንድ ሓበሬታ የመሓላልፍ፣ ወደቕታ ናይ ድግምጋማት ግፍሒ ባንድ ተባሂሉ ይፅዋዕ፣ ንኣብነት መልእኽቲ ናይ ቲቪ ኣብ VHF ወደቕታ ካብ 54-72 ሜ/ሄ ካብ መትረብ 2 ክሳብ 4 ይርከቡ፣





ስእሊ ሳተላይት ምስ ዲሽ
ረበሽቲ ምልክታት (NOISE)
ዝረሰነ ነገር ነቶም ሞለኪላት ከምዝንቀሳቐሱ ይገብር፣ ካብዚ ዝረሰነ ነገር ከዓ ረበሽቲ ምልክታት ይመፁ፣ እዚ ንሶም ዝፈጥርዎ ኤለክትሪካዊ ኳረንቲ ምስ ማይክሮዌቭ ዝፈጥሮ ማዕበል ፈነወ ሳተላይት ዝፈጥሮ ሓደ እዩ፣ ንተወሳኺ እውን ኣብ ውሽጢ ረሲቨራት ዝፍጠርን ካብ ካልኦት መሳረሒ ዝመፁ እውን ረበሽቲ ምልክታት ኣለዉ፣
ኣብ -273.18 0C (ዜሮ ድግሮ ከልቪን) ዝኾነ ረብሻ የለን፣ኣብ c- band ረብሻ ሙቐት ካብ 35-70 OK ይበፅሕ፣ ku- band ካብ 70-120 OK ይበፅሕ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ካብዚ ንታሕቲ ንኽሰርሕ ትፅቢት ኣሎ፣
Ku- band & c- band ብዲቢ(ዲቢኤስ) ዝዕቀን ረብሻ ይፈጥሩ፣ንኣብነት 1, 0.1 2, 0.5,0.3 ዲቢኤስ ፣ ዝወሓደ ረብሻ ዝበለፀ እዩ፣ ረብሻ ጉልበት ምስ ግፍሒ ባንድ፤ሙቐት ኣብ ውሽጢ ኤሌክትሪካዊ መሳረሒ ክብ ለጠቕ ይብል፣ ግፍሒ ባንድ ክውሽኽ ከሎ ረብሻ ይውስኽ፣ ምጉዳል ግፍሒ ባንድ ናብ መዛየዲ ዝኣቱ ረብሻ ይጎድል፣
ካልኦት ሰብ ዝሰርሖም ጣልቃ ዝኣትዉ ምልክታት እውን ኣለዉ፣ ብቲኣይ (TI= TERRESTERIAL INTERFERENCE ) ዝፍለጡ ኣብ መሬት ዝተተኽሉ መራኸቢታት ዝፍጠሩ እዮም፣ ከም ቴሌፎን…..
ኣብ መራኸቢ ሳተላይት ኩሉ ግዜ ጣልቃ ዝኣቱ ምልክት (signal) ኣሎ፣ እዚ ግን ንተዛማድነት ናይ ምልክት ምስ ረብሻ ጉልበት ይውሰን ((S/N) SIGNAL TO NOISE RATIO) ፣ እቲ ዝኣቱ ምልክት ካብቲ ረባሺ ምልክት ብ63,000 ግዜ ምስ ዝዓቢ ፅቡቕ ስእሊ ክፈጥር ይኽእል፣








ሚዛን ደሲበል
ከም ኣንቴና። ኣዛየድቲ(ኣምፕሊፋየራት) ዝኣመሰሉ ክፍሊ ኣካላት። ጉልበት ኣብ ምዕባይ ዓቢ ተራ ኣለዎም፣ ንጉልበት ብዙሕ ኣማኢት፤ ኣሻሓት ግዜ ክዕብዩ የኽእሉ እዮም፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ደጋጊምካ ምፅሓፍ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ብደሲባል መዐቀኒ ኣሃዱ ንጥቀም፣ንኣሽቱ ለውጢ ኣብ ብደሲባል ኣብ ጉልበት ዓቢ ለውጢ ይገብር፣
ንኣብነት 30 DB ማለት ንጉልበት ብ1000 የዕብዮ።
         DBM ንሚሊዋት ዋት የመልክት
ምደባ ድግምጋማት
ምዕባለ ቴክኖሎጂ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ልዑል ድግምጋማት ምጥቃም’ውን እናወሰኸ ከይዱ፣
ኣብ ሓደ መራኸቢ እንጥቀመሉ ድግምጋም ካብቲ ሓደ ምእንቲ ክፍለ ምደባ ናይ ድግምጋማት ማዕበል ተኣታትዩ፣ እዚ ብፈደራላዊ  መራኸቢታት ኮምሽን ዝተኣታትወ ማሕበር ኣህጉራዊ ቴሌኮምኒኬሽን ደገፍ ዝረኸበ እዩ፣


ድግምጋም(ብሜጋ ሄርዝ)    
ድግምጋም (ብሜጋ ሄርዝ) 
3-54 
ተንቀሳቓሲ ረድዮ
54-72  
ልዑል ድግምጋማት ትቪ ቻነል    
72-76  
ኣገልግሎት ሬድዮ  
88-108      
ረድዮ ኤፍኤም
329-890      
ልዕለ ድግምጋማት ቻነላት ዩኤች ኤፍ

ማይክሮዌቭ
ምስ ዓንኬል ዑደት ናይ ሜሬት ተሰማሚዐን ዑደት ዘካይዳ(geo-synchronous orbital) ሳተልይት እናበዝሓ ምስ መፃ ዝበዝሐ ድግምጋማት ናይ ማይክሮዌቭ ምጥቃም ብኡኡ መጠን ክዛይድ ጀሚሩ፣ ክሳብ 1980 ሰማንያትት ሲ ባንድ (C - BAND) ብበዝሒ ኣብ ምቕባል ፈነወ መራኸቢ ብዙሓን የገልግል ነይሩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ከዩ ባንድ (KU - BAND) ገኒኑ ይርከብ፣
                                               
ስም ባንድ
ግፍሒ ባንድ(G.G HZ)
C - BAND
3.7 – 6.2
KU - BAND
10.90  - 36.0

ኣብ መንጎ ሲ ባንድን ከዩ ባንድን LNB እንታይ ፍልልይ ኣሎ?
C- BAND
ትሑት ድግምጋማት ኣእትዩ ልዑል ድግምጋማት የወፅእ፣ ንዝረሓቓ ሳተላይት ምልክት ምቕባል ንጥቀመሉ፣ ሲ ባንድ ክንጥቀመሉ እንተደሊና 6 ጫማ ሰንጣቒት ሸሓነ ወይ ልዕሊኡ የድልየና፣
ኣታዊ ምልክት 3.4 – 6.2 ጊጋ ሄርዝ
ወፃኢ ምልክት 950 -1750  ሄርዝ
KU-BAND
ልዑል ድግምጋማት ኣትዩ ትሑት ድግምጋማት ይወፅእ፣ ኣብ ከባቢና ኣብ ቀረባ ዝርከባ ሳተላይት ምልክት ምቕባል ንጥቀመሉ፣
ከዩ ባንድ ምስ 2። 3 ። 6። 8 ጫማ ሸሓነ ምጥቃም ይከኣል፣
ኣታዊ ምልክት 11.7 – 12.75 ጊጋ ሀርዝ
ወፅኢ ምልክት 950 – 2150 ሀርዝ
መስርሕ ስርዓት መራኸቢ ሳተላት
መስርሕ ስርዓት ፈነወ መራኸቢ ሳተላይት መራኸቢ ሳተላይትን ተቐባልን የጠቓልል፣ ፈነወ ሳተላይት ብዙሕ ሕልኽላኻት ዘለዎ ኮይኑ ኣሽሓት ዋት ጉልበት ይሓትት፣ ፈነወ ሳተላይት መደበራት ቲቪ። ሬድዮ። ቴሌፎን ። መርበብ ሓበሬታ የጠቓልል፣
ፈነወ ሬድዮ ቴሌቭዥን ተቐበልቲ ሳተላይታት ነቲ ዝተቐበልኦ ሓበሬታ ናብ ተቐበልቲ ይልእኮ ኣብ ኣንቴና (down link) ክሳብ 40% ገፅ መሬት ክሽፍን ይኽእል፣ ተቐባሊ ኣንቴና ነቲ ድኹም ምልክት ኣብ ሓደ ከምዝእከብ ገይሩ ንLNB ይምግብ፣


መስርሕ ስርዓት መራኸቢ ሳተላይት ስእሊ







ኣንቴና
ሳተላይት ኣንቴና ነቲ ኣዝዩ ድኹም ፈነወ ማይክሮወይቭ ካብ ሳተላይት ተቐቢሉ ናብ ንፃረ ነጥቢ (focal point) ይልእኾ፣ ብተቐባሊ መጋቢ ቀርኒ (feed horn) ኣቢሉ ናብ ዝቕፅል ክፍሊ ይመሓላለፍ፣


ምንኣስን ምዕባይን ኣንቴና ኣብ ምቕባል ምልክት እንታይ ፍልልይ ይገብር፣
ግፍሒ ኣንቴና ናይ 2,3,6,8 ጫማ (ፊት) ተባሂሉ ይምደብ፣ 1 ጫማ 30 ሴ.ሜትር እዩ፣ ናይ 2 ጫማ 60 ሴ.ሜትር ፤3 ጫማ 90 ሴ/ሜትር ፤ናይ 6 ጫም 180 ሴ/ሜትር ሰንጣቒት ኣለዎ ማለት እዩ፣ ዝዓበየ ሸሓነ ዝበዝሐ ምልክት ይእክብ፣ ኣብ ከባቢና ዝረሓቓ ሳተላይት ንኣብነት ፓነም ሳት ፤ኤስያ ሳት፤ኢን ሳት ምልክት ክንረክብ ብውሑዱ ስለዝህበና 6 ጫማ ሸሓነ ምጥቃም ኣድላይነት የብሉን፣
ግዝፊ ሸሓነ ምስ ዓይነት ኤሌንቢ እንታይ ርክብ ኣለዎ
c- band ክንጥቀም 6 ጫማ ድሽ ወይ ካብኡ ንላዕሊ የድልየና፣ ከዩ ባንድ ክንጥቀም ግን 2።3።6።8 ጫማ ድሽ ምጥቃም ይከኣል፣ ካብቲ ዝድለ ዓቐን ሸሓነ ንላዕሊ ምጥቃም ግን ትርፉ ክሳራ እዩ፣
ምግጥጣም ኣንቴና
ኣንቴና ምስ ዝተፈላለዩ ብሎንታት፤ዳዶታት፤ሮንዴላ ካልኦት ሓፃውንን ፋሕ ኢሉ ይመፅእ፣ ብጠቕላላ 10 ዓይነታት (ክፋላት) ሓፃውን ከም ዘሎ ነረጋግፅ፣
ንድፊ ኣንቴና (antenna designs)
Satellite signals
 are received by receiver dish.መብዛሕቲኡ ሎሚ ዝሰርሕ ዘሎ ማይክሮ ዌቭ ኣንቴና ክቢ ወይ ፓራቦላ ፀፍሒ ዘለዎ እዩ፣ ንዝተንፀባረቐ ማይክሮዌቭ ኣብ ሓደ ንፃረ ነጥቢ ከዓ ይእከብ፣






ስእሊ ዲሽ ምስ ጨረር
ፕራይም ፎካስ ፖራቦላ (prime focus parabola)
ፕራይም ፎካስ ፓራቦላ ብምሉኡ ዝመፅእ ፀርጊ ተንፀባሪቑ ናብ መጋቢ ቀርኒ (feed horn) ኣብ ሓደ ነጥቢ ይእከብ፣ ብሰነ ሓሳብ ክንርእዮ ኩሉ ብተጠማመቲ ዝመፅእ ምልክት ኣብ ሓደ ንፅሊ ነጥቢ ይራኸብ፣ ኣብ ግብሪ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመፀ ምልክት (signal) ብሙሉኡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ኣይእከብን እዩ፣
ኣሰራርሓ ዲሽ
ተቐባሊ ሸሓነ ብዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ትካላት ካብ ዝተፈላለዩ ነገራት ክስራሕ ይኽእል፣ እንተኾነ ግን ተቐባሊ ሸሓነ ሓደ መሰረታዊ ከማልኦ ዘለዎ ረቛሒ ኣሎ፣
-    ከምቲ ክሰርሕዎ ከለዉ ዝነበሮ ቅርፂ ክዕቀብ ክኽእል ኣለዎ፣ ምስ ግዜ ዘይቅየር፣
-    ንዝድለ ምልክት ዝእክብ ጣልቃ ዝኣቱ ዝነፅግ
-    ንምግጣሙ ቀሊል
-    ርቶዓዊ ዋጋ
-    ንምርኣዩ ዝስሕብ (aseptically pleasing)
-    ኣንፀባራቒ
-    ድልዳለ ተፃዋርነት ሸሓነ ንብርቱዕ ፀሓይ፤ ቀዝሒ ፤ ውርጪ ዝፃወር ምስ ኩነታት ኣየር ክጭበጥ ክዝርጋሕ ዘይኽእል፣
  እቶም ዝውቱራት ደረጃታት ሸሓነ ካብ ዝተፈላለዩ ነገራት ክስርሑ ይኽእሉ ካብ ሃይድሮፎርም። ኣልምኒየም፤ ኣቻዮ። ፋይቨር ግላስ ብመንፊት ዝተሰርሐ ሓጺን ብማሕተም (stamp) ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኣታተወ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሑ ኣለዉ፣
1,ሃይድሮፎርምድ
ካብ ኣለምኒየም ኣቻየ ዝስራሕ ቅርፂ ምትሓዙ ቀሩብ የሸግር፣ ብዙሕ ቀዳዳት ይግበሮ፣ ብማይ ወይ ብኮረር ዝብል ነገር ቅርፂ ይሕዝ፣
2, ብማሕተም(stamping)
ካብ ሓፂን ዝስራሕ ኮይኑ። ንሓደ ዓይነት ሸሓነ ሓደ ቅርፂ መውፅኢ የድሊ፣
3, ፋቨርግላስ
ካብ ፋይቨርግላስ ዝስራሕ ኣብ ውሽጢ ብስልኪ ይርበብ፣
4, መንፊት ስልኪ
እዚ ዓይነት ሸሓነ ብርቦ መንፊት ዝተሰርሐ እዩ፣

ብቕዓት ኣንቴና (antenna performance)
ብቕዓት ኣንቴና ዝዕቀን ካብቲ ዝመፀ ምልክት (signal) ብሸሓነ ምስኡ ዝተሓሓዝን ክሳብ ክንደይ ኣትዩ እዩ፣ ብብዙሓት ነኒሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ረቛሕታት ይውሰን።-
1, ድላበ (gain)
2, ስልጠት (effeciency)
3, ግፍሒ ጩራ ( beam width)
4, ጎድናዊ መልሓስ (side lobe)
5, ረብሻ ረስኒ (noise temperature)
6, ተዛማድነት ንፃርያዊ ርሕቀት/ሰንጣቒት (F/D ratio)
1, ድላበ ሸሓነ
ቀዳማይ።-  ምንፅብራቕ ሸሓነ ምስ ዝዓቢ ድላበ ይውስኽ፣ ዕብየት ሸሓነ ኣብ ዝውስኸሉ ድላበ ከዓ ብ2 ረቛሒ ይዓቢ፣ ንኣብነት።- 3 ጫማ  ሽሓነ ብ 5% ካብ ናይ 2 ጫማ ይዛይድ፣
ነዚ ዝስዕብ ተመልከቱ።-
(3 x 3 = 9 ብምውድዳር 2 x 2 = 4     9 - 4 = 5%)
ካልኣይ።- ድላበ ዘዕቢ ድግምጋማት እዩ፣ ልዑል ድግምጋማት ማይክሮዌቭ ፋሕ ስለዘብል ናይ ምስንጣቕ ዓቕሚ ኣለዎ፣ በዚ ምኽንያት እዩ፤ ኣብ ከዩ ባንድ ኣብ ክንዲ 4 ጊጋሄርዝ ፤12ጊጋሄርዝ ብምግባር ብንእሽቶ ሸሓነ ክንቕበል ንኽእል፣
ሳልሳይ።- ድላበ ዘዕቢ ሸሓነ ክሳብ ክንደይ ብልክዕ ተሰሪሑ ኣሎ እዩ፣ ንእሽቶ ጌጋ ዓቢ ምዝንባል የኽትል፣
2, ብቖዓት ኣንቴና
እዚ በቲ ፀፍሒ ኣሰራርሓ እዩ ዝውሰን፣ ካብቲ ዝመፅእ ምልክት 40% ምስዝኣቱ ድኹም ስርዓት ንድፊ እዩ፣ ካብ 65 ወይ 70 ንላዕሊ ምስዝኸውን ልዕሉ ብቕዓት ኣለዎ ክበሃል ይከኣል፣
3, ግፍሒ ጩራ ምስ ጎድናዊ መልሓስ
ካልእ ረቛሒ ንብቕዓት ኣንቴና ዝውሰን ግፍሒ ጩራ ምስ ጎድኒ መልሓስ እዩ፣ እዚ ኣንቴና ክዕዘቦ ዝኽእል ይውሰን፣
dish 
signal angle






ኣብ c- band ku- band ኣብ መቐበሊ (main axis) ዝለዓለ ብራኸን ዝፀበበ ግፍሒ ጩራ ብተዝማድነት ምስ ጎድናዊ መልሃስ ኣለዎ፣ እቲ ዝፀበበ ጩራ ምስ ተዛማድነት ግፍሒ መልሓስ ዝበለፀ ኣንቴና ይኸውን፣


     ስእሊ ጎድናዊ መልሓስ ምልክት
     ረብሻ ይቕበል
    
ዝበዝሐ ነፀብራቕ ብቐንዲ መልሓስ ይልለ፣ ብጎድናዊ መልሓስ ከዓ ረብሻ ይልለ፣
ረብሻ ኣንቴና
ረብሻ ሙቐት ካብ ከባቢ ክንደይ ዝኣክል ረብሻ የለሊ፣ እዚ ከዓ በቶም መልሓስ ይውሰን፣ ነቲ ዝመፅእ ረብሻ ክሳብ ክንደይ ይጎሲ(ኢግኖር)፣
ክልተ ዓይነት ረብሻ ኣሎ፣ ብተፈጥሮ(ካብ መሬት) ሰብ ዝሰርሖን፣ መጠን ሸሓነ ዝዓመቖ ዝወሓደ ረብሻ ይስሕብ፣ ምኽንያቱ ዝወሓደ ጎድናዊ መልሓስ ኣለዎ፣
5, መጠን ዝምድና ንፃርያዊ ንውሓት ምስ ሰንጣቒት ሸሓነ
Focal length to antenna diameter ratio = (f/d)
ዝምድና ንፃርያዊ ንውሓት ምስ ሰንጣቒት ሸሓነ ብከምዚ ኣሕፁረተ ፁሑፍ ነመክት(F/D)፣ ብሓፈሻ (F/D) ክትሕት ከሎ ጎድናዎ መልሓስ ከዓ ይንእስ፣
እቲ መጋቢ/ኤሌንቢ ምስ ኣንፃባራቒ ስለዝቀራረቡ ካብቲ ከባቢ ብፁቡቕ ይኽወሉ፣ እዚ ብኻልእ ኣገላልፃ ፈረስ ናብ ካልእ ምእንቲ ከይርኢ ካብ ዓይኑ ጋራዲ (ኦክያለ) ንገብረሉ፣





           
መጠን ዝምድና ንፃረ ንውሓት ምስ ሰንጣቒት ሸሓነ
ዝምድና ንፃረ ንውሓት/ሰንጣቒት(F/D) ንምደባ ሸሓነ ማእኸላይ ወይ ቀረባ ኢልና ንውስኖ፣
ብሓፈሻ (F/D) ትሕቲ 0.3 ዓሚቕ ሸሓነ ይበሃል፣ ልዕሊ 0.45 ከዓ ቀረባ /ዑምቀት ዘይብሉ ይበሃል፣ ዝዓመቐ ሸሓነ ንከባብያዊ ረብሻ ዝወሓደ ተፀላዊ እዩ፣ ዝሓፀረ ጎድናዊ መልሓስ ዝወሓደ ረብሻ ሙቐት ካብ ቀረባ ሸሓነ ኣለዎ፣

ኣበር
ኣብ ሸሓነ ዝፍጠር ኣበር እንታይ ኣሎ?
ምዝንባል ሸሓነ ብፍላይ ኣብ 6 ጫማ ብንፋስ፤ ምውዳቕ፤ ጎነፅ፣
ብጉቡእ ዘይተቐየረ ብሎን፤ዳዶ፤ሮንዴላ ምዕፃፍ ስሊስ ኣእጋር ኣብ 6 ጫማ ሸሓነ፣
ቃልሲ ኣንፃር ምድራውያን ጣልቃ ኣተውቲ
Combating terrestrial interference
1, ተቐባሊ ሸሓነ ዓይኒ ናይ ሳተላይት መሳረሒ እዩ፣ ነቲ ካብ ሳተላይት ዝኣቱ ወይ ዝመፁ ምልክት ጥራይ ዘይኮነ ንረብሻን ጣልቃ ዝኣቱ ምልክት እውን ይቕበል፣ ዝሓሸ ምርጫ ኤሌንቢ፤ሸሃነ፤ቦታ መከላኸሊ ጣልቃ ዝኣትዉ ምልክታት ነቲ ሽግር የቃልሎ፣ ድኹም ምድላብ፤ ድኹም ምንፃግ ረብሻ ነቲ ሽግር የጋድዶ፣
2, ካልእ ኣማራፂ ዝሓሸ ሸሓነ/LNB ምትሕንፋፅ ዝምድና ሲ/ኤን(ኤስ/ኤን) ካብ ታሕታይ ደረት ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ፣
3, ዝፀበበ ግፍሒ ባንድ ዘለዎ ኣንቴና ንመርፅ፤ ከምኡ’ውን ዝተሓተ ጎድናዊ መልሓስ ዝፈጥር፣




ጎድናዊ መልሓስ ጣልቃ ዝኣትዉ ምልክታት ይቕበል
LNB (low noise block)
ስራሕ LNB ካብ ሳተላይት ዝተላእከ ኣዝዩ ትሑት ምልክት ማይክሮኤቭ ናብ ኤሌክትሪካዊ ማዕበል ቀይሩ ናብ 50 ዲቢ (ከባቢ 100,000 ረቋሒ) የዕቢ፣ ንዘየድልዩ ረበሽቲ ጣልቃ ዝኣትዉ ምልክታት ይኣሊ፣ ናብ ትሑት ዝበለ ድግምጋማት ይቕይር፣
መጋቢ ቀርኒ(ፊድ ሆርን)
ንኤሊክትሪካውን ማግኔታውንፊልድ ይድህስስ ካብ ኣንቴና ዝተንፃባረቑ ምልክታት ማይክሮዌቭ ናብ ጉሮሮ መጋቢ ቀርኒ ይሕልፍ፣ ናብ ጉሮሮ መጋቢ ቀርኒ ዘመሓላልፍ መራሒ ማዕበል (ዌቭ ጋይድ) መጉእ ወይ ርቡዕ ኩርናዕ ቅርፂ ዘለዎ ቲቦ ሓፂን እዩ፣
ናብ መጋቢ ቀርኒ ዋልታውነት መብዛሕትኡ እዋን ትኹላዊ ወይ ጋድማዊ እዩ፣ ነዚ ዘየድሊ ማዕበል ዝኣልዩ ብረታዊ ማሳረሕን ጥቕላላትን ኣለዉ፣
LNB
ኤልኤንቢ ካብ መጋቢ ቀርኒ (ፊድ ሆርን) ዝመፀ ምልክት ናብ ኤሌክትሪካዊ ምልክት ምቕያር ነቲ ኣዝዩ ድኹም ምልክት 50 ዲቢ የዕብዮ፣
ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ እንጥቅመሉ ዓይነት ኤልኤንቢ (ለው ኖይዝ ብሎክ) እዩ፣ እቶም ክልተ ዝውቱራት ዓይነት ኤኤንቢ ሲ ባንድ ከዩ ባንድን እዮም፣
ኣበር
ፍሎረሰንት መብራህቲ ዝቐለለ መፍተሺ LNB ክንጥቀመሉ ንኽእል፣ ኣብ ርእሲ እቲ ብዓይንና እንርእዮ መብራህቲ ማይኮሮዌቭ ይስደድ፣ እዚ ማዕበል እዚ ኣብ ቅድሚ ጥዑይ LNB ምስንገብሮ ምልክት ይዓቢ፣
ኣብ ኤልኤንቢ ዝፍጠር ኣበር እንታይ ይመስል?
1, ኣብ ስክሪን ምልክት ምስዘይህሉ።- +15 – 24 dc ቮልት ናብ ኤልኤንቢ ዝኸይድ ምፍታሽ፣
2, ዝኾነ ክፉት መስመር ኣብ ኤልኤንቢ ሰርክዩት ምስዝህሉ፤ ዝኾነ ብርታዐ ምልክት ኣይህበናን፣ ቲቪ ከዓ ፃዕዳን ፀሊምን ትኸውን፣
3, ኣብ መጠን ዝሓለፈ ብልጭታ ስእሊ ።- ምኽንያት ንምርግጋፅ ኤልኤንቢ ምቕያር
4, ዋሕዲ ቮልት ናብ ኤልኤንቢ ።- ናብ ኤልኤንቢ ዝኸይድ ቮልት ብውሕዱ +15 ቮልት ዲሲ 150 ሚሊ ኣምፐር ኳረንቲ ክኸውን ኣለዎ፣
5, ፀሊም ስክሪን።- ኣብ ኤልኤንቢ ፀገም ምስ ዝህሉ፤ ነዚ ንምርግጋፅ ኤልኤንቢ ኣውፅእ ኣእትው ኣብሎ፣ ወይ ከዓ ፍሎረሰንት መብራህቲ ኣብ መጋቢ ቀርኒ ንቕርቦ፣ረብሻ ምልክት ምውሳኽ ምስ ዝዓቢ ኣብ ኤልኤንቢ ጉድለት ኣሎ፣
6, ብቕዓት ስእሊ ሙቐት እናበርተዐ ክኸይድ ከሎ ስእሊ ይጠፍእ እናመሰየ ከኸይድ ክሎ ስእሊ ይመሓየሽ፣ እዚ ፀገም እዚ ንምልላይ ንኤልኤንቢ ብኣንበድዳቢ(ፋን)ወይ ካልእ ኣገባብ ጌርና ንዝሕሎ፣

ገመድ ኮክሻል (coxial)
coxial ገመድ ብኽልተ ኤሌክትሪክ ኣሕለፍቲ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ መንጎኦም ፈላዪ ኤሌክትሪክ ዘየመሓላልፍ ሰፈግ መሰል ኣቕሓ ኣሎ፣ ብውሽጢ ዝሓልፍ ተሪር ነሓስ ምልክት የመሓላልፍ፣ ብደገ ዝተረበበ ስልኪ ግን ከም መከላኸሊ ንዘይድሊ ምልክታት መእለዪ ይጠቅም፣
Never 
leave the cable hanging freely.Always fix
 the cable with staples.ብዙሓት ዓይነት ኮኦሻል ገመድእኳ እንተሃለወ ኣብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እንጥቀመለሎም ግን ኣርጂ- 6 (ኣርጂ-6) እዮም፣ ዝኾነ ኤሌክትሪክ ዘመሓላልፍ ነገር ንዋሕዚ ኳረንቲ ይቃወም፣ ኣብ ውሽጣዊን ደጋውን ገመድ ዝፍጠር መስርሕ ናይ ረዚስታንስ ፤ ካፓሲተንስን ኢንዳክታንስን ኢምፔዳንስ ይበሃል፣ ኣብ ቲቪ እንጥቀመሉ ኢምፔዳንስ 75 ኦምስ እዩ፣




ምጉዳል/ምጥፋእ ምልክት (signal loseness)
ብዝተኽኣለ መጠን ዝዝርጋሕ ገመድ ክሓፅር ኣለዎ ኣርጂ 6 ኣብ እንጥቀመሉ ኣብ ነፍሲወከፍ 100 ጫማ 8.7 ደሲቤል ጉልበት ይጠፍእ፣ ገመድ ኣዝዩ እናነውሐ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ምልክት እናደኸ ስለዝኸይድ ላይን ኣምፕሊፋየር ወይ ከም ኣማራፂ ዝወሓደ ጉልበት ዘየጥፍእ ኣርጀይ-11(ኣርጀይ-11) ኣብ ክንዲ ኣርጂ -6 ምጥቃም ይሓይሽ፣ ዝበዝሐ ድግምጋማት ዝበዝሐ ጉልበት የጥፍእ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ መላግቦታት ፅቡቕ ገይሩ ምስ ዘይላገብ ዝጠፍእ ጉልበት ይዓቢ፣
ማይን ምእራግን
ኮኦሻል ኬብል ብፍላይ ብጨዋም ማይ ቀልጢፉ ይብላዕ፣ ማይ ኣብ ውሽጢ ገመድ ምስ ዝኣቱ ነቶም ክልተ ገመድ ስለዘላግቦም(ሾርት) ንኤልኤንቢ ወይ ረሲቨር ክጎድእ ይኽእል፣ ስለዚ ገመድ ዝኾነ ለሓፅ እንተዘይብሉ ተመራፂ ይኸውን፣ ኣብ መላግቦታት እውን ፅቡቕ መሸፈኒ ማይ ዝከላኸል ፕላስተር ክህልዎ ኣለዎ፣
ኣብ ኮሻል ኬብል ዘጋጥሙ ኣበራት
-    ገመድ ካብ ኤፍኮኔክተር ምውጻእ፣ ወይ ገመድ ምብታኽ፣ ብርታዐ ምልክት 0 ይኸውን፣
-    ዘይጉቡእ ምልጋብ ኣብ መጋቢ ጉልበት ምቅፃል የስዕብ፣
-    ገመድ ካብ 25 ሜትሮ ምንዋሕ ምድካም ጉልበት የስዕብ፣
-    ግራውንድ ሎፕ(ግራውንድ ሎፕ)
  ገመድ ምፍታሽ፣ ዘይግቡእ ምልጋብ እንተሎ ምእላዩ፣ ምብልሻው ገመድ ብታሕቲ ወይ ብልዕሊ መሬት ብቆርጠምቲ እንስሳታት
-    ገመድ ብመስማር ምውጋእ ወይ ብማርቴሎ ምቕጥቓጥ፣

ዓይነት ኣተኻኽላ ሸሓነ
ክልተ ዓይነት ኣተኻኽላ ድሽ ኣሎ፣ ክልተ ምንቅስቓስ ዘለዎም።- azimuth angle & elevation







ዋልታዊ ምትካል ዲሽ(ኢሊቬሽን)
ንድፊ ዋልታዊ ምትካል ዲሽ ካብ ሰታላይት ዝመፅእ ምልክት ኣብ ሓደ ቀላሲ ብምዛር ይድሊ፣ ዲሽ ንላዕልን ንታሕትን ማለት ኣዩ፣

ምንቅዕራር ኣንቴና ኩርናዕ ኣዚሙስ ንምርካብ እንረኽበሉ ሎንግቲድን ላቲቱድን ይውሰን፣
ንኣብነት ኣረብ ሳት ኣብ ከባቢ 210 ድግሪ ኣዚሙስ ትርከብ ፣
ናይል ሳት ከዓ ኣብ ከባቢ 260 ድግሪ ኣዚሙስ ትርከብ፣
ኣዘል ምትካል ዲሽ(ኣዚሙስ)
ኣዘል ምትካል ሸሓነ ክልተ ዝተፈላለዩ ምትኽኻላት ንሳተላይት ምድላይ ይገበር፣ መጀመርያ ዝድለ ምትኽኻላት ኣዚመታዊ ኩርናዕ ይግበር፤ ድሕሪኡ ንላዕልን ንታሕትን (እሊቬሽን) የድሊ፣ ኣዘል ምትካል ከዩ ወይ ሲ ባንድ ክንጥቀም ንኽእል፣
ኣተኻኽላ ድሽ ደረጃ ብደረጃ
ድሽ ኣብቲ ዝትከሎ ቦታ ብፁኒዕ ክተሓዝ ኣለዎ፣ ናብቲ ዝድለ ሳተላይት ኣንፈት ንምቕናዕ ከዓ ይሕግዘና፤ ቁሩብ ምንቅስቓስ ናይ ሸሓነ ንኣብነት 1/10 ዲግሪ ከባቢ 46 ማይል ካብቲ እንደልዮ ሳተላይት ንርሕቕ፣ 1ማይል = 6 ኪ/ሜትር
1, ቦታ ምምራፅ (ሳይት ሰርቪይ)
ሸሓነ ዝትከለሉ ቦታ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ነገር
-    ሽሓነ ዝትከለሉ ቦታ ንሳተላይት ዝኽልክል ነገር ዘይብሉ፣
-    ካብ ባይታዊ ጣልቃ ዝኣትው ማዕበላት ኣሸገርቲ ዘይኮኑ ክኾኑ ኣለዎም፣
-    ካብ ኣንቴና ናብ ረሲቨር ዘሎ ቦታ ርሕቐት ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን ኣለዎ፣
2, ኣተኻኽላ ደጋፊ ኣንቴና መብዛሕቲኡ ግዜ ሸሓነ ኣብ ኮንክሪት (ስሚንቶ) ዝተሰርሐ እዮም ዝተከሉ፣እቲ ቀንዲ ነገር ክፍለጥ ዘለዎ እቲ ደጋፊ ቅልፅም 90 ድግሪ ትኹላዊ ክኸውን ኣለዎ፣
3, ኣንፈት ሸሓነ (ዲሽ ኦሬንተሽን)።- ኣንፈት ናይ ሸሓነ ናብ ፈናዊ ሳተላይት ምቕናዕ ፤ንሸሃነ ክንቓንዮ፤ዝድለ ምንቅዕራር ፤ምቅናን፤ጎድናዊ የማን ፀጋም እናገብርና ፤ብሶላ ኢንክሊኖሜትር ተጠቒምና ዝለዓለ ብርታዐ ምልክት ንደሊ፣
 ጋድማዊ ንየማን ፀጋም
ምንቅዕራር ትኹላዊ ላዕልን ታሕትን
3, ገመድ ንውሽጢ ገዛ ምዝርጋሕ
በዚ ሎሚ እዋን ዝሰርሑ ገዛውቲ ናይ ኣንቴና መዘርገሒ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሉይ ኮንዲት ኣለዎ፣ ናይ ቀደም ገዛውቲ ምስ ዝኸውን ግን ትራንኪን ክግበረሉ ይኽእል፣



ምትሓዝ ፕሮጋራም ሳተላይት ዲሽ(ሳተላይት ረሲቨር ኮንፊገሬሽን)
ኤልኤንቢ ምስ ናይ ረሲቨር ወደብ ኣታዊ ኤልኤንቢ ኣላግብዎ፣
መጀመርያ ትቪ ምስተወለዐት ስም ረሲቨር ኣብ ትቪ ንዝተወሰነ እዋን ተራእዩ ድሕሪኡ ረሲቨር ኣብ ግቡእ መኣዘዚ(ሜኑ) ደው ትብል፣
ሕቶ- ፕሮግራም ንኸተትሕዝ ምልክት ክንደይ ክበፅሕ ኣለዎ?
መልሲ - ከም ዓይነት ረሲቨር የፈላለ እዩ፣ ኣብ ገለ ረሲቨር ከባቢ 40% ክበፅ እንከሎ ገሊአን ከዓ 98% ይበፅሕ፣
ኣገባብ ምትሓዝ ፕሮግራም
እዚ ንፍፅመሉ ኣገባብ ብስእሊ ዝተሰነየ እዩ፣ ንናይ ርሑቕ መቆፃፀሪ (ሪሞት) ተጠቒምካ ከዓ ይፍፀም፣
Program of installation sat …
Menu
Preference: - you have get – language setup
-        Osd setting
-        parental lock
Language setting: - is using to set different languages.
Osd setting: - is using to set    – color
-        transparency
-        brightness
-        osd timeout
-        change mode
Parental lock: - is using to lock (pass code).

Channels
You have get – channel manager
-        add favorite
-        favorite manager
Channel manager: - you have get - sort, edit, lock/unlock.
Sort: - sort is used to order.
Edit: - is using to delete channels, change name.

Installation
You have get antenna set up, auto search, and manual, clear data…
 Antenna set up:- set the antenna setup the following table firstly.

Satellite
Arab sat
LNB type
Un 1
LNB power
13/18
0/12
0v
LNB dish
Fixed
DISEQC
Off
After that  save and exit. To manual setup.
Manual setup:- you have get :- tp scan, pid scan, tp exit
Tp scan :- is using to search the tp only ( one frequency).
Tp edit :- is using to add, modify, delete the tp ( one frequency).

NB = in this manual screen scan mode you choose FTA, NIT search= on (to search new frequency) SR search = off (because do not duplicate).

























መዝገብ ሳተላይት
ዓበይቲ ሳተላይት
Name of satelite
Location degree
LNB type
Frequency
Symbol rate
polarity
FEC
AREBSAT
260 EAST
UNI
11747
27500
VERTICAL
¾(AUTO)
NILESAT
70 WEST
UNI
11747
27500
VERTICAL
¾(AUTO)
PANEMSAT(Pn5_7_10)
860 east
Uni
12682
26657
Vertical
auto
INSAT-4B
93.50 EAST
UNI
9750
27500
H/V
¾







INTELSAT 7/10
68.5 EAST
uni
12522

26657
H
1/2
Eutelsat W3A
7 EAST
UNI
10976
3333
H
1/2
NSS 7
22 WEST
UNI
11051
30000
V
3/4
EUTELSAT W4

36 EAST
UNI
11747

27500
H
3/4
Telstar 12 Ku
15 WEST
UNI
11803
7597
V



11962
14714
H



12174
3503
H

Hispasat 1C.1D Ku
30 WEST
UNI
11882
27500
V



11935
7500
V



12050
27500
V



12130
27500
H



12171
27500
H

 Intelsat 3R Ku
43 WEST
UNI
12050
23700
H




12152
16000
H

Intelsat 9 Ku
58 WEST
UNI
12099
28300
V

Amazonas Ku
61 WEST
UNI
11810
27500
H




12132
27500
V

Estrela Do Sul Ku
63 WEST
UNI
11955
2894
V
3/4



11966
11280
V
3/4
*************                    *****************             *************
Name of satelite
Location degree
LNB type
Frequency
Symbol rate
polarity
FEC
Horizons 2 Ku
74 WEST
UNI
12060
27695
V

EchoStar 4.8 Ku
77 WEST
UNI
12488
20000
R/V

AMC 6 Ku
72 WEST
UNI
11840
29660
V



11891
1666
H
¾


12047
2500
H



12053
6890
V
5/6
ATLANTIC BIRD 4A
7.27 WEST

10723
27500
H
3/4
Asia sat 3s
105.5 east

26670
3680
H
3/4
Korea sat 5
113 east

12457
3072
H
2/3
Korea sat 5
113 east

12530  
26000
H
5/6
Korea sat 5
113 east

12621
13333
H
5/6
Eutel sat w 4/w7
36 east

12512
4340
H
1/2





















































ኣንፈት ንምፍላጥ ዝሕግዙ ባህላዊ
-    ጒላ ናብ ደቡብ
-    ኣንፈት ናይ ኮኾብ 7 ኣብ ሰማይ ኣብ ግዜ ፅልማት ኣብ ቅድሜኦም ዓብዩ ወይ ከዓ ድምቕ ዝበለ ኮኾብ ኣሎ፣ በዚ መሰረት እቲ ዝደመቐ ኮኾብ ንከዋኽብቲ 7 ሰሜን ይኾኖም ኣሎ፣





-    ከዋኽብቲ 7 ምስ ሓለፉ 4 ከዋኽብቲ መስቀላዊ ምልክት ሒዞም ይመፁ፣ ጎኒ ጎኖም ዝጎዓዝ ኾኾብ ድማ ኣሎ፣ እቲ ድሙቕ ኾኾብ ነቶም 4 ከዋኽብቲ ንሰሜኖም ይኾኖም ኣሎ፣



-    ሳን ፍላወርስ (sun flowers) ዝበሃሉ ዕንበባታት ኣንፈት ፀሓይ ብዝጓዓዘሎም ዝንቀሳቐሱ እዮም፣ክሳዶም እናቕነዑ ኣንፈት ፀሓይ ኣበይ ከምዘላ ኣብ ግዜ ደበና ዝነጉሩና ብምዃኖም ንኣንፈት ንምርኣይ ይጠቕሙና፣

No comments:

Post a Comment